ብኮሮናቫይረስ ንዝሞተ በዓልገዝኣ ብምትካእ ከንቲባ ኮይና ዝተሾመት ሜክሲኳዊት

ምንጪ ስእሊ, Luis Alberto Díaz
ኣብ ሜክሲኮ ግዝኣት ሲኛሎዋ፡ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ 'ሳልቫዶር ኣልቫራዶ' ብኮሮናቫይረስ ብምሟቱ፡ በዓልቲ ቤቱ ንዕኡ ብምትካእ ክተገልግል ተመዚዛ።
ፒየር ኣንግሊ ካማቾ ክሳብ ምዝዛም ዕምሪ ስልጣን በዓል ቤታ፡ ኣብ ስልጣን ክትጸንሕ'ያ።
ቤት ምኽሪ ግዝኣት ሲኛሎዋ፡ ፒየር ኣንግሊ ንበዓል ቤታ ብምትካእ ንኽተገልግል ብዝለዓለ ድምጺ ምስ ሓደ ተቓውሞ ውሳነ ከምዘሕለፈ ኣፍሊጡ።
በዓል ቤታ፡ ማለት ከንቲባ ነበር ካርሎ ማሪዮ፡ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ሕክምና ምትካእ ኩሊት ዝገበረ ኮይኑ፡ በዚ ምኽንያት ከኣ ንኮሮናቫይረስ ተቓላዕቲ ካብ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ እዩ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ህይወቱ ሓሊፋ።
ማሪዮ ቅድሚ ሞቱ፡ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ መረጻ ስለዝተዓወተ ኣብ ግዝኣት ሲኛሎዋ ምምሕዳር ከተማ ሳልቫዶር ኣልቫራዶ ብከንቲባነት ከገልግል ጸኒሑ'ዩ።
ብሞት ንዝሰኣነቶ በዓል ቤታ ብምትካእ ከንቲባ ኮይና ዝተመዘዘት ፒየር ኣንግሊ ካማቾ፡ ኣብ ትካል ማሕበራዊ ድሕነት ሜክሲኮ ዘገልገለት እያ።
ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መረጻ ክካየድ መደብ ስለዘሎ፡ ክሳብ ሽዑ ኣብ ስልጣን ከምእትጸንሕ ተገሊጹ'ሎ።
ንሳ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ንበዓል ቤታ ብምትካእ ነዚ ክብሪ ክትበቅዕ ምኽኣላ ከምዘሕጎሳ ሓቢራ።
ሜክሲኮ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝየን ካብ ዝተሃሰያ ሃገራት ምዃና ይፍለጥ።
ክሳብ ሎሚ፡ 847 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፍዋ ከለዉ፤ ልዕሊ 86 ሽሕ ሰባት ሞይቶምዋ።











![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
