ኣብ ናይ ፒዛ ቢሑቕ ላማታት ድሕሪ ምርካቡ ሓደ ሰራሕተኛ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ኒኮላስ ሚሸል፡

ምንጪ ስእሊ, SACO POLICE DEPARTMENT

Published

ኣብ ሓደ ናይ ፒዛ ትካል ሰራሕተኛ ዝነበረ ውልቀሰብ፡ ኣብ ናይ ፒዛ ቢሑቕ (ዘይተጠብሰ ፒዛ) ላማ ብምርካቡ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ፖሊስ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ኣመሪካ፡ ክፍለሃገር ሜይን ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ሓደ ዓሚል ካብቲ ትካል ኣብ ዝገዝኦ ሓያሎ ዘይተጠብሰ ፒዛታት በሊሕ ላማ ምስ ረኸበ'ዩ ኣጋጢሙ።

ሰራሕተኛ ናይቲ 'ኢት ዊል ቢ ፒዛ' ዝተባህለ ትካል ዝነበረ ኒኮላስ ሚሸል፡ ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ሎ።

ናይቲ ትካል ካሜራ ኣብ ዝቐድሖ ጭብጢ፡ ሓደ ወዲ-ተባዕታይ ነቲ ዝተዳለወ ቢሑቓት ክተናኽፎ ይርአ።

እቲ ላማታት ንምንታይ ዕላማ ኣብቲ ቢሑቓት ክስኳዕ ከምዝተደልየ ዛጊት ኣይተነጸረን።

ፖሊስ መንነት ናይቲ ዝድለ ዝነበረ ሰብ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ እቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ ውልቀሰብ፡ ኣብ ካልእ ኒው ሃምሼር ዝተባህለ ክፍለሃገር ከምዝተታሕዘ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ዓማዊል፡ ካብ 1 ነሓሰ ክሳብ 11 ጥቅምቲ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ካብቲ ትካል ዝገዝእዎ ናይ ፒዛ ቢሑቕን፡ ዝተሰርሐ ናይ ፋርማጆ ፒዛን ክመልስዎ ብምጽዋዕ፡ ገንዘቦም ክምለሰሎምን ምዃኑ እቲ ትካል ገሊጹ'ሎ።

"ተወሳኺ ናይ ሓጺን ነገራት ኣብ ፖርትላንድ ፓይ [ዘይተጠብሰ ፒዛ] ብምርካቡ፡ ሃናፈርድ [ትካል] ንኹሉ እቲ ፒዛታት ካብ ከብሕታት ከምዝወርዱ ጌሩ ከምዘሎን፡ ንዘይተወሰነ ግዜ ተመሳሳሊ ቀረብ ኣይክህሉን'ዩ" ይብል እቲ ትካል ዘውጽኦ መግለጺ።