ኣብ ሩስያ ከቢድ ባርዕ መኽዘን ኣጽዋር ኣጋጢሙ

Published

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መኽዘን ኣጽዋር ብዘጋጠመ ባርዕ፡ ነበርቲ 14 ዓድታት ካብ ዝነበሩሉ ከባቢ ክወጽኡ ተገዲዶም።

በቲ ሓደጋ ብውሑድ 6 ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ ካልኦት ሓሙሽተ ድማ ኣብ ሆስፒታል ሓገዝ ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ። ድሮ እውን ኣዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ ኣሎ።

እቲ መኽዘን ሚሳይላትን ካልኦት ከቢድ ብረትን ከምዝነበሮን ኣስታት 70 ሰራሕተኛታት ምክልኻል ባርዕ ናብቲ ቦታ ከምዝተዋፈሩ ጸብጻባት የመልክቱ።

ትማሊ ረቡዕ ብሳዕሪ መሮር ዝጀመረ ባርዕ ናብቲ መኽዘን ልሒሙ ነቲ ኣጽዋር መሰባርዖ ከቢድ ድምጺ ነትጒ ኣኸቲሉ።

መራኸቢ ብዙሃን ሩስያ ኣብ ዝዘርግሕኦ ምስሊ፡ ዕሙር ጸሊም ትኪ ንሰማይ ክዓርግ ይረአ። ኣስታት 2ሽሕ ዝኾኑ፡ ኣብ ክሊ ሓሙሽተ ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝነብሩ ነበርቲ ካብቲ ቦታ ከምዝገዓዙ ሰብ መዚ ተዛሪቦም።

ወኪል ዜና ሩስያ 'ሪያ'፡ ኣመሓዳሪ እቲ ግዝኣት ኒኮላይ ሊዩቢሞቭ "ነቶም ሰባት ካብቲ ከባቢ ንምውጻእ ዘኽእል ኩሉ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ" ምባሉን እቲ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወን ጸብጺቡ።

ዓሚ እውን ኣብ ሳይቤሪያ ኣብ ዝርከብ መደበር ኣጽዋር ብዘጋጠመ ባርዕ ኣስታት 10ሽሕ ሰባት ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ክወጽኡ ተገይሩ ነይሩ።