እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣፍሞት ንዝነበረት ካናዳዊት ጓልኣባት ዘጋጠመ ግፍዒ
ኣብ ካናዳ ኣብ ሓደ ሆስፒታል፡ ሓንቲ ጓልኣባት ተሓካሚት፡ ብነርስ ክትጽረፍን ኣብ ዘጭንቕ ኩነታት ኮይና ክተእውን ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ድሕሪ ምውፅኡ፡ እታ ነርስ ካብ ስርሓ ተባሪራ።
ኣማሓዳሪ ግዝኣት ኩቤክ ፍራንዋ ለጉ፡ ርእይቶ እታ ነርስ፡ “ተቐባልነት ዘይብሉን ዓሌታውን” ምንባሩ ገሊፁ። ሞት እታ ጆይስ ኤክሃኳን ዝተብሃለት ጓል ኣንስተይቲ ድማ ብደቂቕ ከምዝፃረ ሓቢሩ።
እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፍጻመ ሓድሽ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ካናዳውያን ዜጋታት ደቂባት ኣንፀላልዩ ዘሎ መሓውራዊ ዓሌታውነት ሕቶ ኣልዒሉ'ሎ።
ኣብ 2015 ዝወፅአ ፀብፃብ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ መሓውር ጥዕና ካናዳ ኣብ ልዕሊ ደቂባት ዝፍፀም ዓሌታውነት ምስዘይ ደቂባት ካናዳውያን እንክነፃፀር እንከሎ፡ ሓፋሻዊ ስርዓተ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ጥዕና ደቂኣባት ዓቢ ጉድኣት ከምዘኸተለ እዩ ዝሕብር።
እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?
ጓል 37 ዓመት ጆይስ ኤክሃኳን፡ ካብ ከተማ ሞንትርያል 70 ኪሎሜትር ርሒቁ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ስቓይ ንዝኾና ሕማም ከብዲ ክትሕከም'ያ ተጓዒዛ።
ከምቲ ዝተፀበየቶ ግና ኣይነበረን፡ ኣደ ሸውዓተ ቆልዑ ኤክሃኳን፡ ኣብ ዓራት እቲ ሆስፒታል ደቂሳ ህፁፅ ሕክምናዊ ሓገዝ ዝገብረላ ሰብ ደሊያ እናበኸየት ክትፅውዕ ጀሚራ፤ ነቲ ኩነታት'ውን ብቪድዮ ቀዲሓቶ።
ንፃውዒታ ዝሰምዐት ሰራሕተኛ እቲ ሆስፒታል ድማ ብቋንቋ ፈረንሳይ፡ “ኣንቲ ደንቆሮ” ኢላ ድሕሪ ምጽራፋ፡ ደቂኺ ብዛዕባ ጠባይኪ እንታይ ክብሉ እዮም ኢላ ኣስተናዒቓታ።
ብድሕሪ እዚ ግና፡ ነዊሕ ከይጸነሐት ኣብቲ ሆስፒታል ህይወታ ሓሊፋ።
ኤክሃኳን ሕማም ልቢ ከምዝነበራን፡ ብዙሕ ሞርፊን (መደንዘዚ) ከይህብዋ ትጭነቕ ከምዝነበረትን ኣዝማዳ ንራድዮ ካናዳ ገሊፆም።
ኣማሓዳሪ ግዝኣት ኩቤክ ፍራንዋ ለጉ፡ “ተግባር እታ ነዚ ዝፈፀመት ነርስ ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉ፣ ዓሌታዊ እዩ፤ ካብ ስርሓ ድማ ተባሪራ ኣላ” ብምባል፡ “ነዚ ዓሌታውነት እዚ ክንቃለሶ ይግባእ” ኢሉ።
ንሞት ኤክሃኳን ዘጻርዩ ክልተ መርመራታት ከምዝካየዱ ድማ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት፡ ካናዳ፡ ደቂባት እታ ሃገር ብዓሌታዊ በደል ዝሳቐዩላ ሃገር ትኸውን ከምዘላ እዩ ዝግለፅ።
ኣብ ካናዳ ካብ ዘለዋ ደቂኣንስትዮ፡ እተን ደቂባት ዝኾና ደቂኣንስትዮ ብ 12 ዕፅፊ ንክቕተላ ወይ እውን ንክጠፍኣ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወፅአ ፀብፃብ መንግስቲ እታ ሃገር ይሕብር።
ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ መራሒ ደቂባት ዝኾነ ኣለን ኣዳም፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብፖሊስ ብተደጋጋሚ ክህረም ዘርኢ ምስሊ ዕላዊ ምስ ኮነ፡ ንመላእ እታ ሃገር ዘሰንበደ ኣጋጣሚ'ዩ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ጀስቲን ትሩዶ’ውን፡ “ ኣብ ሓይሊ ፖሊስና ኮነ፡ ኣብ ኩሎም ትካላትና” ካናዳ ዓሌታዊ ጸገም ኣለዋ ኢሉ።