ቁጠባ፡ ኣፍሪቃ "ብዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ 836 ቢልዮን ዶላር ስኢና" ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣፍሪካ ክሳብ 2015 ኣብ ዝነበሩ 15 ዓመታት ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ 836 ቢልዮን ዶላር ከምዝሰኣነት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኤጀንሲ ንግድን ልምዓትን (ዩ ኤን ሲ ቲ ኤ ዲ) ዝዘርግሖ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
እዚ ምስቲ ኣብ 2018 ዝነበራ 770 ቢልዮን ዶላር ናይ ደገ ዕዳ ክነጻጸር ከሎ፤ "ሕልፊ ኣለቃሒት" ከምዝገብራ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ'ሎ።
እቲ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ብቐንዱ ከም ወርቂ፣ ኣልማዝን ፕላቲንየምን ዝበሉ ዝለዓለ ክብሪ ዘለዎም መዓድናት ናብ ደገ ሰደድ ምስ ምግባር ዝተሓሓዝ ከምዝኾነ ይግለጽ።
ኩሎም እቶታት ድማ ብብልሽውና፣ ስርቅን ምስዋር ግብርን ይጠፋፍኡ።
ዋና ጸሓፊ እቲ ኤጀንሲ ንግድን ልምዓትን ሕቡራት ሃገራት ሙኪሳ ኪቱዪ "ዘይሕጋዊ ፋይናንሳዊ ዋሕዚ ንትጽቢታት ኣፍሪቃን ህዝብታታን ይጉሕል፤ ግልጽነትን ተሓታትነትን የጉድል ከምኡ'ውን ኣብ ትካላት ኣፍሪቃ ዘሎ እምነት ይምሕው ኣሎ" ኢሉ።
እቲ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ገንዘብ መጠኑ ብዙሕ'ኳ እንተኾነ ነቲ ኣብ ባይታ ዝፈጥሮ ጸገምን ሳዕቤናቱን ግን ብቐሊሉ ክገልጾ ከምዘይክእል እቲ ጸብጻብ ኣዘኻኺሩ።
በዚ መገዲ ዝጠፍእ ገንዘብ ከኣ መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ከም ሓለዋ ጥዕና፣ ትምህርትን መሰረተ ልምዓትን ንዝገብርዎም ንጥፈታት የዳኽም።
"ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብን ብልሽውና ንሸርፊ ወጻኢ ብምድራቕ፤ ንፍርያት ውሽጢ ዓዲ ብምድኻም፤ ኣብ ንግድን ማክሮኢኮኖሚን ምንጋዕ ብምፍጣር ከምኡ'ውን ንድኽነትን ዘይፍትሓውነትን ብምስፋሕ ንልምዓት ኣፍሪቃ ዘተዓናቕፍ'ዩ" ኢሉ እቲ ዋና ጸሓፊ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
