ኣመሪካ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 200 ሽሕ በጺሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣሜሪካ ብዝሒ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 200 ሽሕ ከም ዝበጽሐ ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ኣረዲኡ።
እዚ ቁጽሪ፡ ኣሜሪካ ካብ ኩለን ሃገራት ብመጠን ሞት ኣብ ቅድሚት ይሰርዓ።
ኣሜሪካ ብቁጽሪ መልከፍቲ’ውን ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ዘላ ሃገር ኮይና ኣብታ ሃገር ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 6.8 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ።
እቲ መጠን መልከፍቲ፡ ሰሜን ዳኮታን ኡታህን ኣብ ዝርከበአን ግዝኣታት ብናህሪ ይቕጽል ኣሎ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ሞት “ዘስካሕክሕ ነገር’ዩ” ድሕሪ ምባል፤ ቀንዲ ጠንቂ እዚ ሞት ቻይና እያ ብምባል “ደው ከተብሎ ነይርዋ” ኢሉ።
"ኣሜሪካ ስጉምትታት እንተዘይትወስድ ነይራ ቁጽሪ ምውታት 2.5 ወይ 3 ሚልዮን በጺሑ ምሃለወ” ብምባል ነቲ ኣብ ቁጽሪ ከነኣእሶ ፈቲኑ።
ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ኣሜሪካ፤ ቁጽሪ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት 200,005 ከም ዝብጽሐ እዩ ሓቢሩ።
ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣተሓሕዛ ኮሮናቫይረስ ብዝተኸተሎ ኣካይዳ ብዙሕ ግዜ ክንቀፍ ተሰሚዑ’ዩ።
ሕጹይ ሰልፊ ዲሞክራት ጆ ባይደን ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ብሰንኪ ሓሶታትን ዘይብቅዓትን ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣሜሪካ ኣብ ታሪኻ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ሰብ ዝሞተሉ ግዜ እያ ኣሕሊፋን ተሕልፍ ዘላን” ኢሉ።
ንሱ ብምስዓብ “ኣብዚ ቅልውላወ ድማ ኣሜሪካ ሓደ ብቁዕ መራሒ እዩ ዘድለያ ነይሩ። ዶናልድ ትራምፕ ከኣ ብቁዕ ኮይኑ ኣይተረኸበን፡ ደንዚዙን ሰንቢዱን እዩ፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ኣሜሪካውያን ህይወቶም ይኸፍሉ ኣለዉ” ኢሉ።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ዶናልድ ትራምፕ ንሱን ምምሕዳሩን ኣብ ኣተሓሕዛ ኮሮናቫይረስ “ዝድነቕ ስራሕ ኢና ሰሪሕና” ብምባል ነንብሱ "A+"[ዝለዓለ ነጥቢ] ከም ዝህባ ገሊጹ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
