ውሩይ ኤርትራዊ ድምጻዊ ተጋዳላይ ሳልሕ ኢብራሂም ዓሪፉ

Published

ወሩይ ድምጻዊ ሳልሕ ኢብራሂም ሓሚሙ ኣብ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 59 ዓመቱ ዓሪፉ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይቲ ስነ-ጥበባዊ ተጋዳላይ ሎሚ ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ መቃብር ሓርበኛታት ጸጸራት ከም ዝተፈጸመ ተፈሊጡ።

ብቋንቋታት ትግርኛን ትግረን ዝደርፍ ሳልሕ፡ ኣብ 1961 ኣብ ኣስመራ: ሓዲሽ ዓዲ፡ ድሕሪ ምውላዱ፡ ዕድመ ትምህርቲ ምስ በጽሐ ናይ መባእታ ትምህርቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ መደበር፡ ካልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቤት ግርግሽ ተማሂሩ።

ወዲ 18 ዓመት ምስ ኮነ ኣብ 1979 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ግንባር ዝተሰለፈ ድማጻዊ ሳልሕ ኢብራሂም፡ ናይ ምውሳእ፤ ምድራፍን ምዝያምን ዓቕሙ ምስ ተራኣየ ኣብ ጉጅለ ባህሊ ብርጌድ ተጠርኒፉ ክሰርሕ ዝጀመረ።

ሳልሕ ኢብራሂም 'ህዝባዊ ሰራዊት' ትብል ብብርሃነ ዘርኣይ (ፋብይን) ዝተሰርሐት ደርፊ ሒዙ ንመጀመርታ ግዜ ናብ መድረኽ ከምዝወጽአ እዩ ዝገልጽ።

ብትግርኛን ብትግረን ዝደርፍ ሳልሕ እብራሂም፡ ኣብ ምትሓዝ ባጽዕ ምስ ጉጅለ ባህሊ ክፍለ-ሰራዊት 70 ኮይኑ ዝደረፋ 'ሓሊብ ኣስቴካኒ ሓሊብ ስተ' ትብል ደርፉ ኣብ ምሉእ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓንቲ ካብተን ተፈተውቲ ደርፍታት ከምዝነረት'ዩ ዝግለጽ።

ሳልሕ ብትግርኛን ብትግረን ዝገጥምን ዜማታት ዝሰርሕን ኮይኑ፡ ኣብ ተዋስኦ'ውን ዓቢ ዓቕሚ ከምዘለዎ እዮም ፈለጥቱ ዝሕብሩ።

ድምጻዊ ሳልሕ ኢብሪሂም፡ ኣብ 1994 ሓሙሽተ ትግርኛ ሓሙሽተ ትግረ ደርፍታት ዝሓዘት "ሽጎም" ዘ'ርእስታ ካሴት ናብ ሰማዕቱ ዘርጊሑ።

ኣብታ ካሴት፡ "ሩማናየ" ብትግረን "ኣለኹ ኣብ ጎንኺ" እትብል ናይ ትግርኛ ደርፍን ኣብታ ካሴት ካብ ዝነበራ ክርቁሓ ዝኽእላ ህቡባት ደርፍታት እየን።

ሳልሕ፡ ኣብ መወዳእታ 2019 'ወለት ዘመን' ዝተሰመየት ቪድዮ ክሊፕ ናብ ተዓዘብቲ ዘርጊሑ ነይሩ እዩ፡ ብዘይካ እዚ ናይ ቀደም ደርፍታቱ ኣሐዲሱ ናብ ሰማዕቱ ናይ ምዝርጋሕ መደብ ከምዘለዎ ምስ ቡያ ኢንተርተይመንት ቅድሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ገሊጹ ነይሩ።

ሳልሕ እብራሂም ብመንገዲ ወዱ፡ ውሩይ ድምጻዊ ኦርዮን ሳልሕ፡ ስነጥበባዊ ወርሻ ገዲፉ'ዩ ሓሊፉ ዘሎ።