ኮሮናቫይረስ፡ ነበርቲ ማድሪድ ኣንጻር ኣዋጅ ዕጽዋ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣማኢት ነበርቲ ድኻታት ዝነብርዎ ገለ ክፋል ከተማ ማድሪድ፡ እቲ ኣብ ማድሪድ ተኣዊጁ ዘሎ ዕጽዋ ኣብ ልዕሌና ብኣድልዎ ዝተወሰነ’ዩ ብምባል ኣንጻር እቲ ኣዋጅ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
እቲ ተኣዊጁ ዘሎ ዕጽዋ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ኮይኑ፡ በዚ ሓዲሽ ኣዋጅ ልዕሊ 850 ሽሕ ሰባት ክጽልዉ እዮም።
እዚ ትሑት ኣታዊታትን ብብዝሒ ስደተኛታትትን ዝነብርዎ ከባቢ ዝጸልዎም ኮይኑ እቶም ነበርቲ መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ማእከላት ጥዕና ኣብ ምህናጽ ዝኾነ ተበግስታት ከምዘ ይወሰደን፡ ነቲ ከባቢ ማዕረ ካልእ ቦታታት ከም ዘይርእዮን እዮም ዝገልጹ።
ስጳኛ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ እታ ዝበዝሑ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘለዉዋ ሃገር እያ፤ መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ማድሪድ ዝነበሩ'ዮም።
እቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብተን 12 ምምሕዳራት 37 ምምሕዳራት ማድሪድ ከም ዝተኻየደ ተገሊጹ።
ኣብ ደቡባዊ ክፋል ማድሪድ እትርከብ ምምሕዳር ከባቢ ቫከጃስ ሓንቲ ካብተን ምሉእ ዕጽዋ ዝተኣወጀለን ከባቢታት ኮይና፡ ነበርቲ ኣብ ምምሕዳሮም ዘሎ ማእከላት ጥዕና ዝለመሰ ምዃኑን መንግስቲ ቀዳምነታት ኣብ ምስራዕ ኣብ ልዕሊኦም ኣድልዎ ከም ዝፈጸመን እዮም ዝገልጹ።
ወዲ 56 ዓመት ነባሪ ቫከጃስ በጎና ራሞስ “እቲ ናብ ኮሮናቫይረስ ናይ ምቅላዕ ተኽእሎ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ማድሪድ ሓደ ዓይነት እዩ። ንስኹም ኣይትንቀሳቀሱ ንስኹም ግን ድሓን እናበልካ ሌላን ጉሌላን ምግባር ግን እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሌና ክገብሮ ዝጸንሐ ኣድልዎታት ዘጉልሕ’ዩ” ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
ከንቲባ ከተማ ማድሪድ ጆስ ልዊስ ማርቲነዝ ኣብ ትዊትር ብተንቀሳቃሲ ምስሊ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ “እቲ ዕጽዋ ኣብ ልዕሊ ድኻታት ኣነጻጺሩ ዝተገበረ ኣይኮነን፤ ኣብ ከተማና ቀዳማይን ካልኣይንን ደረጃ እንብሎም ነበርቲ የብልናን፤ ኩሉ ሰብ ሓደ እዩ። ብፍላይ ሕጂ ድማ ዝያዳ ሓደ ክንከውን ኣለና” ኢሉ።
ነበርቲ እዘን 37 ምምሕዳር ከባቢታት ከተማ ማድሪድ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ናብ ስራሕን ናብ ሕክምናን ክኸዱ እንተዘይኮይኑ ካብ ገዛ ከይወጽኡ፡ ኣብ ውሽጡ ካንሸለኦም’ውን እንተኾነ ካብ ሽዱሽተ ሰባት ንላዕሊ ከይእከቡ ዝብል ሕግታት ዝርከቦ ከተግብሩ ክግደዱ እዮም።
ላዕለወይቲ ሓላፊት ዞባዊ ምክትታል ጥዕና ማድሪድ ሩዝ ኢስኬደሮ፡ እዚ ኣዋጅ ዕጽዋ ነዚ ሓዲሽ መልከፍቲ ከጉድሎ እንተዘይክኢሉ ኣብ ምሉእ ከተማ ማድሪድ ዕጽዋ ከም ዝእወጅ ሓቢራ።
ንሳ ምስ ኤቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት "ኣገዳሲ እንተኾይኑ ምሉእ ማድሪድ ክትዕጾ ይከኣል’ዩ” ኢላ።
ብመሰረት ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ዝተረኸበ ጸብጻብ እታ ሃገር ልዕሊ 640 ሽሕ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክህልውዋ እንከለዉ ካብዚኦም እቶም ኣስታት 120 ሽሕ ኣብ ቀዳሞት ክልተ ሳምንታት ናይ ወርሒ መስከረም ዝተለኸፉ እዮም።
ሃገረ ስጳኛ ክሳብ ሎሚ ሞት ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ኣመዝጊባ ኣላ።











![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
