ኣውስትራሊያ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ፡ ዝተሓተ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣመዝጊባ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣውስትራሊያ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ዝተሓተ መዓልታዊ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዘመዝገበት ኮይና፡ ንሱ ድማ 18 ሰባት ጥራይ እዮም።
ኣብ'ታ ሃገር፡ ሕምብርቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኮይና ዘላ ግዝኣት ቪክቶርያ፡ ክሳብ ሰንበት ንጉሆ 14 ሰባት እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ኮይኑ፡ ካብ'ቲ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ዝነበረ 21 መልከፍቲ ነክዩ እዩ።
ግዝኣታት ኒው ሳውዝ ዌልስን ኩዊንስላንድን፡ ሕድሕድን ክልተ መልከፍቲ ጥራይ ረኺበን።
ካልኦት ግዝኣታት ጸብጻብ ዘየቕረባ ኮይነን፡ እቲ ቫይረስ ግን ሓልሓሊፉ እዩ ዝርከበን።
ኣውስትራሊያ፡ ኣብ 23 ሰነ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ እያ ክንድዚ ዝተሓተ መልከፍቲ ኣመዝጊባ ነይራ።
እቲ ምንካይ "ዓብዪ ተስፋ ዘሕድር" ከምዝኾነ መራሒ ግዝኣት ቪክቶርያ ዳኒኤል ኣንድሪው ገሊጽ ኣሎ።
እታ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ መልከፍቲ ኣውስትራልያ፡ ነቲ 75 ምኢታዊት፡ ካብ ጠቕላላ ሞት ድማ፡ ነቲ 90 ምኢታዊት ዝተመዝገበላ ግዝኣት ቪክቶርያ፡ ካብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ዕጽዋ እያ እትርከብ።
ብፍላይ ኣብ ርእስ ከተማኣ ሜልቦርን፡ ሰባት ኣብ ገዝኦም ክኾኑ ዝተኣዘዙ ኮይኖም፡ ነቲ ዕጽዋ ዝቃወሙ ሰባት፡ ምስ ፖሊስ ይጓነጹ ኣለዉ።
እገዳታት ምልሕላሕ ጀሚራ ዘላ ሜልቦርን፡ ቁጽሪ መዓልታዊ መልከፍቲ ትሕቲ ሓሙሽተ እንተወሪዱ፡ ካብ ዝመጽእ 26 ጥቅምቲ ጀሚራ ነቲ ዕጽዋ ከምእተልዕሎ ገሊጻ ኣላ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
