ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተሰረዙ አሽሓት በረራታት ዓለም

መገዲ ኣየር ረይነር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ብሰንኪ ኮሮናቫይስ፡ ዝተፈላለዩ መገዲታት ኣየር በረርኦም ክስርዙ ብመሰረት ዝቐረበሎም ጠለብ፡ ብደረጃ ዓለም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ በረራታት ተሰሪዞም።

መገዲ ኣየር ኣየርላንድ ርያንኤር ክሳብ ሸሞንተ ሚያዚያ 2020 ናብ ጥልያን ዝገብሮ በረራ ካብን ናብን ደው ከብል'ዩ።

መገዲ ኣየር ብሪጣኒያ 'ውን ብተመሳሳሊ ክሳብ ኣርባዕተ ሚያዚያ 2020፡ ጣሊያን ብኮሮናቫይረስ ተጠቒዓ ብምህላያ ናብታ ሃገር ዝህቦ ኣገልግሎት ደው ከብል እዩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣገልግሎት በረራ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝህብ ኢዚጄት ካብ 10 መጋቢት ክሳብ 3 ሚያዚያ 2020 ናብ ጥልያን ኣይክበርርን።

መገዲ ኣየር ኖርወይ ብወገኑ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ኣዋርሕ 3 ሽሕ ዝኾኑ በረራታት [15 ሚኢታዊት] ከም ዘጉድል ኣፍሊጡ።

ዋና ፈጻሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ጃኮብ ሽራም፡ "ጊዝያዊ ምደባ ስራሕ ሰራሕተኛታት በረራን ካልኦት ኣባላትናን ዝምልከት ምስ ማሕበራትና ዘቲና ኢና" ብምባል ግዚያዊ በረራታት ከም ዝቕጽሉ ሓቢሩ።

ናብ ቻይናን ጥልያንን ዝቐርብ ዝነበረ ግልጋሎት ግን ጠቕሊሉ ደው ዝበለ ኮይኑ፡ ጉዕዞ ዝነበሮም ተገልገልቲ መደቦም ብምቕያር ካብን ናብን ዝገብሩዎ ጉዕዞ ብምግዳቦም ጠለብ ተጉዓዝቲ ከም ዝነከየ ተገሊጹ።

መገዲ ኣየር ኣሜሪካ ድማ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ 7.5 ሚኢታዊት ናይ ውሽጢ ዓዲ በረራታት ክንኪ'ዩ።

ስግኣት ህልውና

ብሰሉስ፡ መገዲ ኣየር ኮርያ ዝርግሐ ኮሮና ቫይረስ ንህልውንኡ ከም ዘስግኦ ገሊጹ ነይሩ።

ፕሬዝደንት እቲ መገዲ ኣየር ዉ ኪ-ሆንግ ናብ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ እዚ ቅልውላው ክሳብ መዓዝ ክዘልቕ ይኽእል ዝብል እቲ መገዲ ኣየር ክግምት ኣይክእልን ኢሉ።

"ይኹን'ምበር፡ እዚ ኩነታት ንነዊሕ እዋን ዝቕጽል እንተኾይኑ፡ ሃለዋት እዚ ኩባኒያ ኣብ ዘይነረጋግጸሉ ደረጃ ክንበጽሕ ንክእል ኢና" ከም ዝበለ ሮይተርስ ገሊጹ።

መገዲ ኣየር ኣውስትራሊያ፡ ዓለምለኻዊ በረራታት ብ25 ሚኢታዊት ከጉድል'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መገዲ ኣየር ኣውስትራሊያ፡ ዓለምለኻዊ በረራታት ብ25 ሚኢታዊት ከጉድል'ዩ

መገዲ ኣየር ኣውስትራሊያ ኳንታስ፡ ኩሎም ተጠቀምቲ ኣገልግሎቱ በዚ ቫይረስ ስለ ዝሰግኡ፡ ዓለምለኻዊ በረራታቱ ብ25 ሚኢታዊት ከም ዘጉድል ኣፍሊጡ።

እዚ ንዝቕጽሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ምኻኑ ተሓቢሩ።

ንመገዲ ኣየር ኤውሮጳ ዝውክል 'ኤሲኣይ ዩሮፕ' ብወገኑ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ መጋቢት ኣብ ዘሎ ግዘ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ቑጽሪ ተገልገልቲ ብ14 ሚኢታዊት ከም ዝነከየ ዘርኢ 'መበገሲ ዳህሳስ' ከም ዘለዎ ገሊጹ።

"ኮቪድ-19 ዝፈጠሮ ስንባደ ንኢንዳስትሪና ይጸልዎ ኣሎ" ክብል ዳይሬክተር ጀነራል ኦሊቪየር ጃንኮቬክ ተዛሪቡ።

ሰብ ሞያ ኣቪየሽን፡ ምቁራጽ በረራታት ኣታዊታት ብምጉዳል ንኢንዳስትሪ ኣቪየሽን ከም ዝሃስዮ ብምግላጽ፡ መንግስታት ስጉምቲ ዝወስድሉ ግዘ ሕጂ'ዩ ክብሉ የጠንቅቑ።