ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ኣብ ሃገሩ ዘጋጠመ ባርዕ ዝሃቦ መልሲ ቁጠዐ ፈጢሩ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብቲ ብባርዕ ጫካ ተሃስያ ዘላ ግዝኣት ካሊፎርንያ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ፡ ምስቲ ባርዕ ተተሓሒዙ ብዛዕባ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ዝተሓተተሉ ‘ሕጂ ክዝሕል ክጅምር’ዩ’ ዝብል መልሲ ሂቡ።
ኣብ ግዝኣታት ካሊፎርንያ፤ ኦሪጎንን ዋሽንግተንን ልዕሊ 2 ሚልዮን ሄክታር ብባርዕ ጫካ ክወድም እንከሎ ካብ ወርሒ ነሓሰ ክሳብ ሎሚ ብውሕዱ 36 ሰባት ብሰንኪ እዚ ባርዕ ሞይቶም ኣለዉ።
ኣብቲ ዛዕባ ተዋላዋሊ መርገጺ ዘለዎ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዘጋጥም ዘሎ ባርዕ ዱር ብጉድለት ምሕደራ ጫካታት ድኣ’ምብር ብክሊማዊ ለውጢ ዝሰዓበ ኣይኮነን ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ።
ንዲሞክራትስ ወኪሉ ኣብ ፕረዚደንታዊ ውድድር ኣሜሪካ ዝቐርብ ጆ ባይደን ብሰኑይ ንዶናልድ ተራምፕ “ጸረ ክላይመት” ኢሉ ገሊጽዎ ነይሩ።
ንሱ ብምስዓብ “ዶናልድ ትራምፕ ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት እንተተመሪጹ ኣሜሪካ ኣርባዕተ ናይ ባርዕ ዓመታት እያ ከተሕልፍ” ኢሉ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምዕራብ ኣሜሪካ ኣብ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ ዝነበረ እዋን ነቶም ሰብ መዚ ደጋጊሙ እቲ ባርዕ ብሰንኪ ጉድለት ምሕደራ ከምዘጋጠመ ምስ ሓበሮም፡ ሓደ ካብቶም ሰብ መዚ “ ፕረዚደንት ነቲ ሳይነስ ዝብሎ’ባ ዕሽሽ ኣይትበሎ” ምስ በሎ።
ዶናልድ ትራምፕ “ሕጂ ክዝሕል ክጅምር እዩ፡ ጥራይ ተዓዘብ፡ ኣነ ሳይንስ ይፈልጥ’ዩ ዝብል እምነት የብለይን” ዝብል መልሲ’ዩ ሂብዎ።
ኩነታት ባርዕ ጫካ ኣሜሪካ ከመይ’ዩ ዘሎ?
ኣብ መላእ ግዝኣት ካሊፎርንያ 29 ባርዕ ጫካታት ብምልዓሎም ካብ 15 ነሓሰ ክሳብ ሎሚ 29 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።
ክኢላታት ስነ ከባቢ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ብርቱዕ ንፋስን ውሑድ ጠልን ነቲ ባርዕ ከጋድዶ ከምዝኽእል’ዮም ብሰኑይ ገሊጾም።
እቶም ክኢላታት ክሳብ ሕጂ ኣብ ካሊፎርንየዓ 106 ሽሕ ሄክታር ብባርዕ ተሃሚዅ ከምዘሎ ብምሕባር ካብዚ ዘለዎ ክውስኽ ከምዝኽእል የጠንቅቁ ኣለዉ።
ትካል ሜትሪሎጂ ኣሜሪካ ብወገኑ እቲ ባርዕ ብሰንኪ እዚ ዘሎ ክሊማ ክዛይድ ከምዝኽእል መርትዖታት ኣሰንዮም ገሊጾም ኣለዉ።
መጥፋእቲ ሓዊ ግዝኣት ኦሪጎን ነቲ ኣብታ ግዝኣት ዘሎ 30 ባርዕ ጫካታት ከጥፍኡ ይረባረቡ ከምዘለዉን እቲ ዝበርተዐ ባርዕ ጫካ ናይታ ግዝኣት 89 ኪሎ ሜተር ዝርገሐ ከምዘለዎ ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ግዝኣት ኦሪጎን ኣብ ዝሓለፈ ሳምታት ብውሕዱ 10 ሰባት ብሰንኪ እቲ ባርዕ ጫካ ምማቶምን ብዙሓት ሰባት ሃለዋቶም ጠፊኡ ስለዘሎ ቁጽሪ ምውታት ካብዚ ዘለዎ ክዛይድ ከምዝኽእል ይሕበር።
ኣብ ግዝኣት ዋሽንግተን ሓሙሽተ ባርዕ ጫካታት ክህሉ እንከሎ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ሓደ ሰብ ብሰንኪ እቲ ባርዕ ጫካ ሞይቱ’ሎ።
ፖሎቲከኛታትክ እንታይ ይብሉ?
ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒውሶም ሓደ ካብቶም ምስ ዶናልድ ትራምፕ ዝተራኸቡ ኮይኑ፡ ፍርቂ መሬት ናይ ካሊፎርንያ ኣብ ትሕሪ ምሕደራ ፈዴራላዊ መንግስቲ ኣሜሪካ ከምዝመሓደር ብምጥቃስ ጫካታት ካሊፎርንያ ጥዑይ ምሕደራ ከምዘይብሉ ገሊጹ።
ጋቪን ኒውሶም ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዚ ባርዕ ጫካታት ብዛዕባ ክሊማዊ ለውጢ ዝገበር ክትዕ ከምዘብቐዐ ዘርኢ’ዩ ኢሉ።
“እቲ ዋዒ ይውስኽ ኣሎ፡እቲ ደረቅ ዝነበረ ድማ መመሊሱ ይደርቅ ኣሎ፡ ክሊማዊ ለውጢ ብርእዩ ይርአ ኣሎ፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት ከመይ ኣቢልና ኢና ንሳይንሳዊ ሓቅታት ክንሰግሮ” ብምባል ኣብ መልሲ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ዘለዎ ዘይዕግበት ገሊጹ ።
ኣማሓዳሪት ግዝኣት ኦሪጎን ኬት ብራውን ብወገና “ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣሜሪካ ብዝረአ ዘሎ ኩነታት ብዛዕባ ክሊማዊ ለውጥታት ክንሓስብን ክንበራበርን ዘገድድ እዩ፡ ንጽልዋ ክሊማዊ ለውጥታት ንኸነወግድ ክንሰርሓሉ ዝግብኣና ግዜ ድማ ሕጂ’ዩ” ኢላ።
ኣመሓዳሪ ዋሽንግተን ጃይ ኢንስል ብወገኑ ነቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝሃቦ መልሲ ብምኹናን፡ ነቲ ኣብ ምዕራብ ኣሜሪካ ዘጋጥም ዘሎ ባርዕ ጫካ ‘ትምቢት ራእይ’ ኢሉ’ዩ ገሊጽዎ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
