ብቕትለት ኣሜን ተኽላይ ካብ ዝተጠርጠሩ ክልተ መንእሰያት፡ እቲ ሓደ ክሲ ተመስሪቱዎ

ምንጪ ስእሊ, JATV Goals Youth Group
ሓደ ወዲ 14 ዓመት ቆልዓ ምስ ሞት መንእሰይ ኣሜን ተኽላይ ብዝተኣሳሰር፡ ተኸሲሱ ሎሚ ሰኑይ ናብ ቤት ፍርዲ ሸሪፍ ግላስኮ ክቐርብ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ፖሊስ ምስ ቅትለት ስደተኛ ኣሜን ተኽላይ ብዝተኣሳሰር፡ 14ን 15ን ዝዕድሚኦም ክልተ ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ወዲ 15 ዓመት ኣሜን፡ ብረቡዕ ኣብ ስኮትላንድ ከተማ ግላስጎ መጥቃዕቲ ተፈፂምዎ ብኸቢድ ተጎዲኡ ተረኺቡ።
ሰብ ሞያ ህጹጽ ሕክምና ኣብቲ ቦታ እኳ እንተበጽሑ፡ ንህይወቱ ምትራፍ ግን ኣይተኸኣለን።
ፖሊስ ስኮትላንድ ምስቲ ቅትለት ብዝተኣሳሰር ክልተ መናእሰይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን እቲ መርመራ ይቕጽል ከምዘሎን ኣፍሊጡ'ሎ።
እቲ ቅትለት ምስ ካልእ ምትእስሳር ከምዘይብሉ ዝገለፁ ፖሊስ መርመርቲ፡ መንቀሊኡ ንምፍላጥ "ኩሉ መንገድታት ይምርምሩ ከምዘለዉን" ድማ ሓቢሩ።
ትማሊ ናይ ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣሜን ኣብ ጥቓ ገዝኡ ኣብ ዝጻወተሉ ዝነበረ መናፈሻ ኩዕሶ እግሪ መደብ ሓደ መደብ ዝኽሪ ተኻይዱ ነይሩ።
ብስም ኣቦ ኣሜን መግለጺ ዝተነበ ኰይኑ፡ ኣብኡ ነቲ ሕብረተሰብን ንኹሉ ናብቲ ዝኽሪ ዝመጸን ኣመስጊኑ።
"እዛ ከተማ ዓድና እያ፡ ብሓባር ብምስራሕ ጥራይ ኢና ድማ ንኹሉ ውሑስ ክንገብራ እንኽእል" ኢሉ።
"ሎሚ ወድና ስኢንና ኣለና፡ እንተኾነ ግን ብሰንኪ ምጥፋእ ህይወት ኣሜን ሓደ ወይ ልዕሊኡ ህይወት ከም ዝጽሎ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ሞቱ ንስድራቤቱ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ነዚ ተግባር ዝፈፀመ ሰብ'ውን ዘሕዝን'ዩ። እዚ ዑደት ዓመጽ ደው ክብል ኣለዎ።"

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ኣሜን ምስ ኣቡኡ ኣብ ግላስኮ ይነብር ዝነበረ ዀይኑ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ እንግሊዝ 'ዘጽንሕ መሰል' ተዋሂበዎ ነይሩ።
ጓል 17 ዓመት ሓፍቱ ደሊና ተኽላይ፡ "ኣሜን ዜግነት ዓባይ ብሪጣንያ ብምርካብ ተጻዋቲት ኩዕሶ ሰኪዔት፣ ዶክተር ወይ መሃንድስ ናይ ምዃን ባህጊ ነይርዎ" ኢላ።
ንቢቢሲ ስኮትላንድ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣሜን "ሓወይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሉጽ መሓዛይ'ውን እዩ ነይሩ" ክትብል ተዛሪባ።
"ኣዝዩ ተፈታዊ፣ ሕያዋይን ንፉዕን እዩ ነይሩ" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
ኣሜን ኣብ ጆርዳን ሂል ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ቶማስ ኣኲናስ ተማሃራይ ነይሩ።
ርእሰ መምህር ናይቲ ቤት ትምህርቲ ክሌር ማኪንሊ፡ ሞቱ "ንማሕበረሰብ ቤት ትምህርቲ ዘሰንብድ" እዩ ኢላ።
ፖሊስ ስኮትላንድ ብዛዕባ ቅትለት ኣሜን ሰፊሕ መርመራ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ'ሎ።
ፖሊስ ቸሪል ኬሊ፡ "እቲ መልሲ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ እዩ ዘሎ" ብምባል፡ ኣባል ፖሊስ ኣብ ጎደናታት ዝርከባ ካሜራታት ይምርመሩን ገዛ ንገዛ ብምኻድ ይሓቱን ከምዘለዉ ኣፍሊጣ።
"ኣብዚ ጽንኩር እዋን ሓሳብና ምስ ቤተሰብን ፈተውትን ኣሜን'ዩ ዘሎ። ፍሉይ ድጋፍ ክንገብረሎም ኢና" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ፖሊስ፡ ነቲ ቅትለት ብዝምልከት ሓበሬታ ዘለዎ ዝኾነ ሰብ፡ በቲ ነዚ መርመራ ዝተዳለወ መስመር ኣቢሉ ጥቆማ ክህብ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, PA Media






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
