ኣቶ ዳውድ ካብ ኣቦመንበርነት ኦነግ ከም ዝተኣገዱ ዝገልጽ ደብዳበ ክጻረ እዩ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ [ኦነግ]፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣቦ መንበር እቲ ግንባር ዝነበሩ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ካብ ሓላፍነት ከም ዝኣገዶም ዝገልጽ ደብዳበ ናብ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ከም ዝቐረበ እቲ ቦርድ ኣረጋጊጹ።
ወሃቢት ቃል እቲ ቦርድ ሶሊያና ሽመልስ፡ ፈጻሚ ስራሕ ኦነግ ብመሰረት ዘካየዶ ኣኼባ፡ "ኣቆ ዳውድ ኢብሳ ስነ ምግባራዊ ጥሕሰት ፈጺሞም'ዮም" ብዝብል ካብ ኣመራርሓ ከም ዝኣገዶም ንቢቢሲ ገሊጻ።
እቲ ደብዳበ ምኽትል ኣቦ መንበር ኣቶ ኣራርሳ ቢቂላ ከም ዝፈረሙሉ'ውን ኣብሪሃ።
ብመሰረት መተሓዳደሪ ደንቢ እቲ ሰልፊ፡ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ክእግድ እንከሎ ኮሚቴ ቁጽጽርን ስነ ምግባርን ከም ዝልእኽ ዝገለጸት ሶሊያና፡ ኣብቲ ደብዳበ ነቲ ኮሚቴ ከም ዘፍለጡ ካብ ምግላጽ ወጻእ ካብቲ ቦርድ ዝሓተቱዎ ውሳነ ከም ዘየለ ተዛሪባ።
እቲ ቦርድ፡ ተኣጊዶም ካብ ዝተባህሉ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ'ውን ካልእ ደብዳበ ከም ዝበጽሖ እታ ወሃቢት ቃል ገሊጻ።
ይኹን'ምበር፡ እቲ ደብዳበ ቅድም ኢሉ ብዝነበረ ኮሚቴ ቁጽጽርን ስነ-ምግባርን ዝተጻሕፈን ቅድም ኢሎም ብዛዕባ ዝተኻየዱ ኣኼባታት ዝምልከት ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ምስቲ ዝተኣገድሉ ጉዳይ ኣይራኸብን ኢላ።
ስለ ዝኾነ ድማ ካብ ክልቲኦም ወገናት ንዝመጽኡ ደብዳበታት፡ ብመሰረት መተሓዳደሪ ደንብን ኣዋጅን ፖለቲካዊ ውድባት ምጽራይ ከም ዝግበረሉ ገሊጻ።
ካብ ቀረባ ግዜ ናብዚ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዘይምቅዳው ተፈጢሩ ምንባሩ ይዝከር።
እዚ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣቦ መንበር እቲ ግንባር ዝነበሩ ኣቶ ዳውድ ኢብሳን ምኽትሎም ኣቶ ኣራርሳ ቢቂላን ዝመርሑዎም ክልተ ጉጅለታት ከም ዝተፈጥሩ ዘመላኽት'ዩ።
በዚ ምኽንያት ሓደ ነቲ ሓደ ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ጀሚሩ ናይ ምእጋድ ውሳነታት የሕልፍ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ኦነግ ከም ዝኾነ ዝዛረብ ኣቶ ቀጄላ መርዳሳ፡ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ካብ ሓላፍነቶም ምእጋዶም ሕጋዊ መስርሕ ዝተኸተለ'ዩ ክብል እንከሎ፡ ብተመሳሳሊ ወሃቢ ቃል ኦነግ እየ ዝብል ኣቶ መሓመድ ረጋሳ ድማ፡ እቶም ንኣቶ ዳውድ ዝኣገዱ ኣባላት ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኦነግ ቅድም ኢሉ ካብ ስራሕ ዝተኣገዱ'ዮም ኢሉ።
ኣቶ ቀጄላ ከም ዝብሎ፡ "ሕጊ ዝተመሓላለፉ፣ ስነ ምግባራዊ ጥሕሰት ዝፈጸሙ ብኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ክእገዱ ይኽእሉ'ዮም። እዚ'ዩ ናይቲ ሰልፊ ኣሰራርሓ" ይብል።
ኣቶ መሓመድ ድማ፡ "ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ከም ዝተኣገደ ካብ መራኸብቲ ብዙሃን ሰሚዕና፤ እዚ መግለጺ ግን ናይ ኦነግ ኣይኮነን። ኦነግ ኣይፈልጦን" ብምባል እቲ መግለጺ ዘውጽኡ ሰባት ቅድም ኢሉ ካብቲ ግንባር ዝተኣገዱ ምዃኖም ተዛሪቡ።
እዚ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ኣብ ዝተረኸብሉ ብወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኮሚቴ ቁጽጽርን ስነ-ምግባርን፡ ውሳነ ክሳብ ዝህብ ምኽትል ኣቦ መንበር ዝኾነ ኣቶ ኣራርሳ ቢቂላ ሓዊሱ 6 ኣባላት ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ተኣጊዶም'ዮም ኢሉ።
ምእጋድ እቶም ኣቦ መንበር ዝምልከት ብሰንበት ኦነግ ዘውጽኦ'ዩ ዝተባህለ ነዊሕ መግለጺ፡ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ነቲ ሰልፊ ጎዲኦም'ዮም ብዝበሎም ዝተፈላለዩ ጉድለታት ክኸስስ እንከሎ፡ እቲ ሰልፊ ንራብዓይ ግዜ ይከፋፈል ከም ዘሎ ገሊጹ።
እቲ መግለጺ፡ ኣቶ ዳውድ ሃብትን ንብረትን እቲ ውድብ ብዘይ ኣግባብ ብምጥቃም፣ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ናይ ሓሶት ክሲ ብምቕራብን እቲ ውድብ ዘይፈቐዶም ርክባት ብምግባርን ካብ ኣቦ መንበርነት ክለዓሉ ከም ዝተገብረ ይሕብር።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
