ሎስ ኣንጀለስ፡ መንነት ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ጥይት ዝተኮሰ ዘቃልዐ 100 ሽሕ ዶላር ክወሃብ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS / LA POLICE
ክልተ ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ስራሕ እንከለዉ ‘ብቃጻ’ [ብድብያ] ብጥይት ድሕሪ ምህራሞም ኣብ ሆስፒታል ከም ዝኣተዉ ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቃሲ ምስሊ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ ናብታ ነቶም ፖሊስ ጽዒና ዝነበረት መኪና ቅርብ ኢሉ ኣድራጋ ጠያይቲ እናተኮሰሎም’ዩ ዘርኢ።
ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ ዝኾነ ኣሌክስ ቪላንዛ ነቲ ተግባር ‘ናይ ፈራሓት’ ተግባር ኢሉ ብምስማይ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ይድለ ከም ዘሎ ጠቂሱ።
መንነት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ ንዘቃልዐ ድማ ናይ 100 ሽሕ ዶላር ግንዖ ኣዳልዩ ከም ዘሎ ሓቢሩ ኣሎ።
ኣብ 2020 ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም እንከለዉ ኣስታት 40 ፖሊስ ኣሜሪካ ከም ዝተቐተሉ ኤፍቢኣይ ክገልጽ እንከሎ እቶም ሸሞንተ፡ ሰባት ተቃጽዮም ከምዝቐተልዎም ኣብ ጻብጻቡ ኣስፊሩ’ሎ።
ኣብቲ እቶም ክልተ ፖሊስ ዝሕከምሉ ዘለዉ ሆስፒታል፡ ኣንጻር ፖሊስ ጭርሖታት ዝሓዙ ተዋወምቲ ንኣፍደገ እቲ ሆስፒታል ብምዕጻው ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዘለዎም ተቃውሞ ከም ዝስምዑ ፖሊስን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ሓቢሮም።
ብሰንኪ እቲ ተቃውሞ ክልተ ሰባት ክእሰሩ እንከለዉ እታ ሓንቲ ጋዜጤኛ ኮይና ሓደ ሰብ ምስ ተኣሰረ ንምእሳሩ ከተታዓናቅፍ ፈቲና ተባሂላ ከም ዝተኣሰረት ተገሊጹ።
እቶም ኣብ ስራሕ እንከለዉ ብጥይት ዝተሃረሙ ፖሊስ፡ ስሞም እኳ እንተዘይተገለጸ ወዲ 31 ዓመትን ጓል 24 ዓመትን ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ።
እታ ጓል ኣንስተይቲ ፖሊስ ኣብ መንከሳን ኣብ ኢዳን ተሃሪማ መጥባሕቲ ምስ ተገበረላ ኣብ ድሓን ኩነታት ከምዘላ ክግለጽ እንከሎ እቲ ካልኣያ ፖሊስ ግን ኣብ ርእሱ፡ ምናቱን ኢዱን ተሃሪሙ ኣብ ጽኑዕ ክንክን ከምዝርከብ ማዕከን ዜና ኤቢሲ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ጆ ባይደንን ነቲ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮኒኖሞ ኣለዉ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ እቶም ፖሊስ ብጥይት እናተሃረሙ እንከለዉ ዘርኢ ተንቀሳቃሲ ምስሊ ኣሰንዩ ኣብ ትዊትር ኣብ ዝጽሓፎ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ብምኹናን “ብኸቢድ ክቅጻዕ ዝግብኦ እንስሳ” ኢሉ።
ጆ ባይደን ብወገኑ እቶም ፖሊስ ናብ ንቡር ጥዕንኦም ክምለሱ ይጽሊ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ጆ ባይደን ብምስዓብ “እዚ መጥቃዕቲ ጠገለ ዝስኣነ ተግባር’ዩ፤ ፍትሒ ድማ ክርከቦ ኣለዎ። እቲ ነዚ ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ ኣብ ሕጊ ቀሪቡ ግቡእ ምቅጻዕቱ ክፍደ ኣለዎ” ኢሉ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
