ንኽልተ ደቁ ብምቕታል ተጠርጢሩ ን12 ዓመታት ብኤ.ፍ.ቢ.ኣ.ይ ክድለ ዝጸንሐ ሰብ ተታሒዙ

ምንጪ ስእሊ, FBI
ንኽልተ ደቁ ብምቕታል ተጠርጢሩ ክድለ ዝጸንሐ ሰብ ድሕሪ 12 ዓመት ብፈደራላዊ ቤት-ጽሕፈት መርመራ ገበን ኣመሪካ ከምዝተታሕዘ ተገሊጹ።
እዚ ያሲር ዓብደል ስዒድ ዝተባህለ ሰብኣይ፡ ኣብ 2008 ጀሚሩ'ዩ ብኤ.ፍ.ቢ.ኣ.ይ ክህደን ጸኒሑ።
ንሱ፡ ንጓል 17 ዓመት ጓሉ ሳራ ዓብደል ስዒድ ከምኡ'ውን ንጓል 18 ዓመት ኣሚና ዓብደል ስዒድ ደቁ ድሕሪ ምቕታሉ'ዩ ተሰዊሩ።
ኣብ ግብጺ ዝተወልደ ያሲር፡ ኣብ ናይ 2014 ሊስታ ዝርዝር ኤ.ፍ.ቢ.ኣ.ይ፡ ካብቶም 10 ቀንዲ ተደለይቲ ሰባት እዩ ነይሩ።
ፈደራላዊ ቤት-ጽሕፈት መርመራ ገበን ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንያሲር ዓብደል ስዒድ ንምሓዝ ከይተሓለሉ ይሰርሑ ከምዝነበሩ ገሊጾም።
ኣደ እቶም ግዳያት፡ ፓትሪሻ ኦውን፡ እቲ ሰብ ኣብ ቀይዲ ኣቲዩ ዝብል ዜና ምስ ሰምዐት፡ "ደቀይ ሕጂ ብሰላም ክዓርፋ ይኽእላ እየን" ክትብል ተዛሪባ።
እቲ ትካል፡ ንካልኦት ክልተ ሰባት'ውን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ገሊጹ። እዞም ጥርጡራት፡ እቲ ሓደ ወዲ እቲ ጥርጡር ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ሓው እቲ ጥርጡር እዩ።
ክልቲኦም ነቲ ዝህደን ዝነበረ አዕቚብኩም ተባሂሎም እዮም ተኸሲሶም ዘለው።
ያሲር ዓብደል ስዒድ
ኣብ ወርሒ ጥሪ 2008፡ ኣሚናን ሳራን ብጥይት ተቐቲለን ምስ ተረኽባ እቲ ትካል ምጽራይ ጀሚሩ።
ኣብታ መዓልቲ፡ እቲ ጥርጡር፡ ንኣሚናን ሳራን መግቢ ከብልዓክን ኢሉ ኣብ ታክሲ ሒዝወን ከምዝኸደ ኤ.ፍ.ቢ.ኣ.ይ ይኸስስ።
ኤ.ፍ.ቢ.ኣ.ይ ከምዝበሎ፡ እቲ ሰብ ነተን ደቁ ንክፍለ ሃገር ቴክሳስ ሒዙወን ብምኻድ ንኽልቲኦን ኣብ ውሽጢ ታክሲ ብጥይት ተኲሱ ቐቲሉወን።
ቅድሚ ሞተን ከኣ ሓደ ኣባል እቲ ስድራ ቤት፡ ሳራ ኣስላማይ ምስ ዘይኮነ ሰብ ንቖጸራ ምስ ወጽአት፡ ኣቡኣ "ኣካላዊ መጉዳእቲ" ክብጽሓላ ምዃኑ ኣፍራሪሕዋ ክብል ንፖሊስ ኣመልኪቱ ነይሩ።
ካብ 2008 ጀሚሩ ድማ ፖሊስ ኣመሪካ፡ ንያሲር ዓብደል ስዒድ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ጸኒሑ።
ፈደራላዊ ቤት-ጽሕፈት መርመራ ገበን ኣመሪካ፡ ድሕሪ 12 ዓመት ናይ ተስፋ ምቑራጽን ምቕባጽን ብሮቡዕ ከምዝሓዝዎ ገሊጹ።
"ኣሚናን ሳራን ድማ ድሕሪ ነዊሕን ኣድካምን ጻዕሪ: ፍትሒ ክረኽባ እየን" ክብል እቲ ትካል ገሊጹ።
ስድራ-ቤት እተን ግዳያት ብወገኖም፡ "ኣብ መወዳእታ ናይ ፍትሒ ምዕራፍ ብምጅማርና እፎይታ ተሰሚዕና" ክብሉ ተዛሪቦም።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
