ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኦሪጎን ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ካብ ባርዕ ይሃድሙ’ለው

Published

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ግዝኣት ኦሪጎን፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ነበርቲ እታ ግዝኣት ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ከባቢ ተኸሲቱ ዘሎ ባርዕ ጫካ ካብ ቤቶም ይሃድሙ ከምዘለዉ ሰብ መዚ እታ ክፈለሃገር ገሊጾም።

እቲ ብዋዕን ደረቅ ንፋስ ተሰንዩ ኣብ ልዕሊ ደርዘን ቦታታት ናይታ ግዝኣት ዝጀመረ ባርዕ ነታ ግዝኣት ዓቢ ስግኣት ፈጢሩላ ይርከብ።

ኣመሓዳሪት እቲ ግዝኣት ኬት ብራውን፡ በቲ ባርዕ ዝሞቱ ሰባት ብልክዕ እኳ እንተዘይተፈለጠ ክሳብ ሎሚ ሰለስተ ሰባት በቲ ባርዕ ምማቶም ሓበሬታ ከምዝበጽሓ ሓቢራ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝርከባ 12 ግዝኣታት ብልዕሊ 100 ባርዕ ጫካታት ይሕመሳ ከምዘለዋ’ዩ ይፍለጥ።

ግዝኣታት ኦሪጎን፡ ካሊፎርንያን ዋሽንግተንን ድማ እተን ቀንዲ በዚ ባርዕ ጫካ ተሃስየን ዘለዋ ግዝኣታት እየን።

ክሳብ ሎሚ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ኣስታት 4.4 ሚልዮን ሄክታር ስፍሓቱ ቦታታት ብሓዊ ከምዝተሃሞኸ ሰብ መዚ እታ ሃገር ይገልጹ።

ውሃቢ ቃል መጥፋእቲ ሓዊ ግዝኣት ኦሪጊን ሪች ተይለር ንኒው ዩርክ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ንኹሉ ገዛውትን ንግዳወዊ ትካላትን ዘባርዕ ሓዊ እንተሃልዩ፡ ኣብቲ ገዛውትን ትካላትን ዘሎ መስመር ጋዝ ክትንከፍ ግድን እዩ፡ እዚ እዩ ዝኸውን ዘሎ፡ ኩሉ ነገር እዩ ዝባራዕ ዘሎ” ኢሉ።

ግዝኣት ኦሪጎን ካብቶም 4.2 ሚልዮን ነበርታ ነቶም 10 ሚእታዊት ብሰንኪ እዚ ባርዕ ጫካ ካብ ቤት ንብረቶም ክፈናቀሉ ተገዲዶም ኣለዉ።

ካብዞም በቲ ጫካ ቦታ ዝቕይሩ ዘለዉ 1300 ኣብ ኮፊ ክሪክ ዝተብሃለ ቦታ ዝነበራ እሱራት ደቂ ኣንስትዮ ምኻነን ተሓቢሩ።

ካብቶም ኣብታ ግዝኣት በቲ ባርዕ ጫካ ዝሞቱ ካብ ፖርት ላንድ ንሸነኽ ደቡብ 112 ኪሎሜተር ርሒቓካ ኣብ ዝርከብ ዝነበሩ ዝነበሩ ወዲ 12 ዓመት ቖልዓን ዓባዩን ይርከብዎም።

ኣብ ካልእ ግዝኣታት ኣሪካ ዘሎ ባርዕ ጫካ'ኸ ከመይ’ዩ ዘሎ?

ኣብ ግዝኣት ዋሽንግተን፡ ወዲ ሓደ ዓመት ህጻን ክመውት እንከሎ ስድርኡ ድማ ብትኪ ተዓፊኖም ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ክንክን ከምዝርከቡ ሰብ መዚ እታ ግዝኣት ገሊጾም።

ኣብ ምብራቕ ግዝኣት ዋሽንግተን እትርከብ ከተማ ማልደን ዝበዝሐ ካብ ገዛውቲ ናይታ ከተማ ብሓዊ ከምዝተሃሞኸ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ግዝኣት ካሊፎርንያ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ኣርባዕተ ተወሰኽቲ ሰባት ብባርዕ ሓዊ ሞይቶም ኣለዉ፡ 64 ሽሕ ነበርቲ እታ ግዝኣት’ውን ካብ ገዝኦም ክግዕዙ ተሓቢርዎም ኣሎ።

14 ሽሕ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ድማ ነቲ ኣብ 29 ቦታታት እታ ግዝኣት ተላዒሉ ዘሎ ባርዕ ጫካ ንምጥፋእ ይረባረቡ ኣለዉ።