ኣብ ልዕሊ ነፋሪት መጓዓዝያ ሩስያ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ 41 ሰባት ሞይቶም

Published

ነፋሪት ሩስያ ኣብ በረራ ብዘጋጠማ ፀገም፡ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ሸረሜትዮቭ ብህፁፅ ክትዓልብ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ብሓዊ ስለዝተባርዐት 41 ሰባት ሞይቶም።

ገለ ተጓዓዝቲ ካብታ ብሓዊ ትቃፀል ዝነበረት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኤሮፍሎት፡ በቲ ናይ እዋን ሓደጋ መውፅኢ ክሃድሙ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተዘርግሐ ቪድዮ (ተንቀሳቓሲ ምስሊ) የርእይ።

ክልተ ህፃናትን ሓንቲ ኣባል በረራን ካብቶም ዝሞቱ ከም ዝርከብዎም መራኸብቲ ሓፋሽ ሩስያ ሓቢረን።

ሓደ ካብ መሰኻኽር ዓይኒ፡ ካብታ 73 ተጓዓዝትን ሓሙሽተ ኣባላት በረራን ሒዛ ዝነበረት ሓደጋ ባርዕ ዘጋጠማ ነፋሪት ክትሃድም ምኽኣል 'ተኣምር'ዩ' ክብል ገሊፅዎ።

34 ተጓዓዝትን ኣርባዕተ ኣባላት በረራን፡ ብሓፈሻ 37 ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ከምዘለዉ፡ ካብ ኣባል ምርመራ ሓደጋ ዝተረኸበ መረዳእታ የመልክት።

ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ።

መገዲ ኣየር ሩስያ ዝኾነ ኤሮፍሎት፡ እታ ነፋሪት ኣብ በረራ ከላ ብዘጋጠማ 'ቴክኒካዊ ፀገም' ናብ ድሕሪት ተመሊሳ ክትዓልብ ከም ዝተገደደት ኣፍሊጡ።

እንታይ ኣጋጢምዋ?

ሱክሆይ ሱፕርጀት - 100 ዝዓይነታ ነፋሪት መጓዓዝያ፡ ካብ መገዲ ኣየር ሸረሜትዮቭ ብምብጋስ፡ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሩስያ ናብ እትርከብ ከተማ ትበርር ነይራ።

ኣባላት በረራ እታ ነፋሪት ካብ እትብገስ ኣብ ሓፂር ግዜ፡ ገለ ክፋል ብኣግባቡ ይሰርሕ ከምዘየሎ ክፈልጡ ኪኢሎም።

ብህፁፅ እዋን ሓደጋ ክትዓልብ ስለዝነበራ ድማ፡ ናብቲ ዝተበገሰትሉ መዕርፎ ነፈርቲ ተመሊሳ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ክፍሊ 'ሞተር' (ኢንጂን) ብሓዊ ክባራዕ ተራእዩ።

መገዲ ኣየር ኤሮፍሎት፡ 'ኣባላት በረራ ህይወት ተጓዓዝቲ ንምትራፍ ዝከኣሎም ኩሉ ፈቲኖም" ክብል ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።

ብህይወት ናይ ዝተረፉ ዝርዝር ዝተገለፀ ኮይኑ፡ ተወሳኺ መረዳእታ ግን ፀኒሑ ከም ዝግለፅ እቲ መገዲ ኣየር ኣፍሊጡ'ሎ።