ኮቪድ-19፡ ኣብ ኤርትራ ተወሰኽቲ 21 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኤርትራ 21 ተወሰኽቲ ሰባት ኮቪድ-19 ከም ዝተረኽቦም ሚኒስትሪ ጥዕና ሎሚ ሓሙስ 10 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ገሊጹ።
እቶም ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ መወሸቢ ማእከላት ዝጸንሑ ምዃኖም'ውን እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።
ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ 5፡ ገርገፍ 2፡ ዓሊ-ግድር 1፡ ሙኩቲ 1 ክርከቡ እንከለዉ፡ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ድማ፡ ኣብ መወሸቢ ማእከል በይሉል 6፡ ኣብ ጊብዶ ኣብ ዝርከብ ማእከል ድማ 5 ተረኺቦም ኣለዉ።
ኩሎም፡ "ኣብዚ ቀረባ እዋን" ካብ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን የመንን ዝመጹ'ዮም።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ 9 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሕክምና ክግበረሎም ዝጸንሑ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ተፋንዮም ኣለዉ።
ክሳብ ሕጂ ቁጽሪ ኣብታ ሃገር ዝተለኽፉ ሰባት 361 በጺሑ'ሎ። ካብዚኣቶም እቶም 304 ሓውዮም ዝተፋነዉ'ዮም። እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።
ዛጊት ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ዝሞተ ከምዘየለ ይፍለጥ።
ዋላ'ኳ ገለ ምፍኳስ እገዳታት ተገይሩ እንተሎ፡ ኤርትራ ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚራ ብወግዒ ኣብ ዕጽዋ ትርከብ። እቲ ዕጽዋ ክቕጽል ምዃኑ ጸሓፊ ህግደፍ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተዛሪቡ ነይሩ።
ብሰንኪ'ቲ ዕጽዋን እገዳታትን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ጥምየትን ናይ መነባብሮ ጸገማትን የጋጥም ምህላዉ ይግለጽ።











![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
