ሊባኖስ፡ ኣብ ወደብ በይሩት ንኻልኣይ ግዜ ሓያል ባርዕ ተወሊዑ

ሓድሽ ባርዕ ከተማ በይሩት

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሓድሽ ባርዕ ከተማ በይሩት
Published

ድሕሪ'ቲ ኣስታት 200 ሰባት ዝቐተለ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘጋጠመ ነትጒ፡ ኣብ ከባቢ ወደብ ርእሰከተማ በይሩት ሓያል ባርዕ ከም ዝተወለዐ ተፈሊጡ።

እቲ ባርዕ ኣብ ሓደ ናይ ነዳድን ጎማታት መካይንን ዝቕመጠሉ መኽዘን ከም ዘጋጠመ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ዓቢ ሃልሃልታ ሓዊ ከም ዝፈጠረን፡ ኣብ ሰማያት እታ ከተማ ጽዑቕ ትኪ ከም ዝተራእየን ካብታ ከተማ ዝተዘርግሑ ስእልታት የመልክቱ።

ይኹን እምበር፡ ዛጊት ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመ ሞት ከምዘየለ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ። ጠንቂ ናይቲ ባርዕ ክሳብ ሕጂ ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ብሄሊኮፕተራት ዝተሓገዙ መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ ናብቲ ቦታ ተዋፊሮም ኣለዉ።

ሓላፊ ቀይሕ መስቀል ሊባኖስ፡ ጆርጅ ኬታነህ፡ ገለ ሰባት ብሰንኪ'ቲ ባርዕ፡ ናይ ምስትንፋስ ሕጽረት ዘጋጠሞም ኣለዉ ክብል ከምዝተዛረበ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘጋጠመ፡ ኣብ መኽዘን ዝነበረ ኬሚካል ዝጠንቁ ነትጒ፡ 190 ክሞቱ ንከለዉ፡ ብዙሓት ካልኦት ምቑሳሎም ይዝከር። ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ኣብቲ ሓደጋ ከምዝሞተትን፡ ዝቖሰሉ'ውን ከምዝነበሩን ይፍለጥ።

እቲ ሓደጋ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ካብ መዝነቱ ክወርድ ዘገደደ'ዩ ነይሩ። ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓድሽ መንግስቲ መስሪቱ'ሎ።

ብዘይካ'ዚ እቲ ነትጒ ኣብታ ከተማ ሰፊሕን ከቢድን ዕንወት ኣውሪዱ ነይሩ'ዩ።

በይሩት ድሕሪ እቲ ዝተፈንጀረ ነታጒ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, በይሩት ድሕሪ እቲ ዝተፈንጀረ ነታጒ

እቲ ሓደጋ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ካብ መዝነቱ ክወርድ ዘገደደ'ዩ ነይሩ። ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓድሽ መንግስቲ መስሪቱ'ሎ።

ብዘይካ'ዚ እቲ ነትጒ ኣብታ ከተማ ሰፊሕን ከቢድን ዕንወት ኣውሪዱ ነይሩ'ዩ።