ዮሩሳሌም፡ ንሓንቲ መነኮስ ዘጥቅዐ እስራኤላዊ ስለምንታይ ካብ ክሲ ናጻ ተባሂሉ?

ሓደ እስራኤላዊ ንሓንቲ ፈረንሳዊት መነኮስ እናደፍኣ ዘርኢ ሃሳስ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Israel Police

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ዮሩሳሌም ንሓንቲ መነኮስ ክሃርም ከሎ ብሓለዋ ካሜራ ተቐሪጹ ዝነበረ እስራኤላዊ፡ ቤት ፍርዲ ብምኽንያት ስእነት ጥዕና ኣእምሮ ካብ ክሲ ናጻ ኣውጺእዎ።

እዚ መጥቃዕቲ እዚ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ብሓያሎ ወገናት ከቢድ ኵነኔ ስዒብዎ ነይሩ።

ቤት ፍርዲ መጋስትሬት ዮሩሳሌም ከም ዝገለጾ፡ ዮና ሽራይበር ዝተባህለ ኣይሁዳዊ፡ ኣብታ ዝተጐብጠት ምብራቓዊት ዮሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ናይ ቀደም ከተማ፡ ኣብ ምያዝያ ንሓንቲ ፈረንሳዊት መነኮስ ኣብ ዝደፍኣሉን ዝረገጸሉን እዋን፡ ብኸቢድ ናይ ኣእምሮ ሕማም ይሳቐ ነይሩ እዩ።

ቤት ፍርዲ፡ እዚ ሰብኣይ ነቲ ዝፈጸሞ ተግባር ብገበን ተሓታቲ ክኸውን ከም ዘይክእል ብምውሳን፡ ክሳብ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ማእከል ሕክምና ኣእምሮ ክጸንሕ ኣዚዙ።

ምስሊ እቲ መጥቃዕቲ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ ዓቢ ቍጥዐ ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ኣገልገልትን በጻሕቲ ቅዱሳት ቦታታትን ብኣኽረርቲ ኣይሁድ ዝፈጸም ዘሎ ምድፍፋርን ሃታሃታን ከም ዘሻቐሎም ብዙሓት ይገልጹ።

እታ ግዳይ ዝዀነት መነኮስ፡ ርእሳ ምስ እምኒ ብምግጫዋ፡ ኣብ ገጻን እግራን በሰላ ወሪድዋ።

ወዲ 36 ዓመት ዮና ሽራይበር፡ ብሃይማኖታዊ ጽልኢ ዝተደፋፈአ መጥቃዕቲ ብምፍጻም እዩ ተኸሲሱ ነይሩ።

ይዅን'ምበር፡ ጸብጻብ ሓኪም ኣእምሮ ናይቲ ዞባ ከም ዘመልክቶ፡ ሽራይበር፡ "ነቲ ተግባር ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን ኣብ ኵቱር ኣእምሮኣዊ ኵነታት ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክከራኸር ዓቕሚ የብሉን።"

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ከሰስቲ ንጸብጻብ ሓኪም ብምቕባል፡ ሽራይበር ካብ ክሲ ናጻ ኰይኑ ናብ ሕክምና ክለኣኽ ሓቲቶም።

ዳኛ ኦፊር ቲሽለር፡ ሽራይበር ነታ መነኮስ ምጥቅዑ ርግጽ እኳ እንተዀነ፡ ብምኽንያት ጥዕና ኣእምሮኡ ግን ካብ ክሲ ናጻ ክኸውን ከም ዝወሰነ ገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን፡ ኣብ ዮሩሳሌም ዝርከብ ቆንስል ፈረንሳ ነቲ ተግባር ብትሪ ኰኒንዎ ነይሩ።

እታ መነኮስ ተመራማሪት ኰይና እትሰርሓሉ ናይ ፈረንሳ ቤት ትምህርቲ ስነ-መጽሓፍ ቅዱስን ስነ-ጥንትን ዳይረክተር እውን፡ ነቲ መጥቃዕቲ "ሃይማኖታዊ ዓመጽ፡" ክብል ገሊጹዎ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ብወገኑ ነቲ መጥቃዕቲ ብምዅናን፡ "እስራኤል ዝተመስረተትሎምን ብጽኑዕ እትሰርሓሎምን ናይ ምክብባር፡ ብሓባር ምንባርን ናጽነት ሃይማኖትን ክብርታት ዝጻረር ነውሪ ተግባር እዩ፡" ኢልዎ።

እቲ ምኒስትሪ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እስራኤል ናጽነት ሃይማኖትን ኣምልኾን ንዅለን እምነታት ንምውሓስ፡ ዮሩሳሌም ድማ ኵሉ ሕብረተሰብ ብሰላምን ክብርን ዝነብረላን ዝጽልየላን ከተማ ኰይና ክትቅጽል ጽኑዕ መርገጺ ኣለዋ፡" ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ እታ መነኮስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ፍሉይ ኰይኑ እኳ እንተ ተራእየ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ግን ኣብታ ናይ ቀደም ከተማ ዮሩሳሌም፡ ኣኽረርቲ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናዊ ምልክታት ወይ ክዳውንቲ ዝለበሱ ሰባት ምድፋርን ተጻብኦታት ምርኣይን ልሙድ እናዀነ መጺኡ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ንብረታት ኣብያተ ክርስትያን ይዓንዉ ኣለዉ፡ ሰፋሮ ብዝወስድዎም ስጕምትታት ድማ ከቢድ ምስሕሓባት ይፍጠር ኣሎ።

መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን፡ እስራኤል ነቲ ኣብ ቅዱሳት ቦታታት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ናይ ዋንነትን ሓላፍነትን ውዕላት ንምቕያር ትጽዕር ኣላ ክብሉ ይኸሱ።

ኣብ ዮሩሳሌም ዝመደበሩ፡ ሃይማኖታዊ ምክብባር ንምስፋሕ ዝሰርሕ ማእከል ሮሲንግ ኣብ 2025 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ "ኣብ ልዕሊ ክርስትና ዝርአ ዘሎ ጽልኢ ብናህሪ ይውስኽ ኣሎ፡" ኢሉ።

ነዚ ድማ ምስቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ምክፍፋልን ሓያል ሃገራዊ ኣተሓሳስባን ኣተሓሓዙዎ።