ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ፡ ቤሩት ብዝተፈንጀረ ነታጒ ብውሕዱ 10 ሰባት ሞይቶም

Beirut blast

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ፤ ቤሩት ብዘጋጠመ ሓያል ምፍንጃር ነታⶔ ሓያሎ ሰባት ከምዝተጎደኡ ተገሊጹ።

ነቲ ሓደጋ ስዒቡ፡ ብውሕዱ 10 ሰባት ከምዝሞቱ ድማ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

እቲ ኣብ ወደባዊ ክፋል እታ ከተማ፡ ዘጋጠመ ኣዝዩ ዘሰንብድ ዝተብሃለ ነታጒ ዛጊድ መንቀሊኡ ኣይተፈለጠን።

በቲ ነታጒ ሓያሎ ሰባት ከምዝተጎድኡን ብዙሕ ንብረት ከምዝዓነወን ሚኒስቴር ጥዕና ሊባኖስ ሃማድ ሓሰን ገሊጹ።

እቲ ሓደጋ፡ ኣብ ድሮ ፍርዲ ናይቶም ኣብ 2005 ዓምፈ ንቀዳማይ ሚኒስቴር ሊባኖስ ነበር ራፊቅ ሓሪሪ ብምቕታል ዝተጥርጠሩ ኣርባዕተ ሰባት እዩ ኣጋጢሙ።

እቲ ሓደጋ ኣዝዩ ዘሰንብድ ደምጺ ከምዝነበሮ መሰካኽር ዓይኒ ዝተዛረቡ ኯእኖም፤ ክሳብ ኣብ 240 ኪሎሜትሮ ርሕቀት ከምዝተሰምዓ ተሓቢሩ።

እቲ ምፍንጃር ዝተፈጸመሉ ህሞት ብቪድዮ ካሜራ ከም ዝተቐድሐ ዘርኢ'ዩ።

Skip Facebook post

Content is not available

View content on Facebookቢቢሲ፡ ንትሕዝቶ ካልኦት መርበባት ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of Facebook post

ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዛ ቀዳማይ ሚኒስተር ራፊቅ ሓሪሪ ካልኣይ ምፍንጃር ከምዝጋጠመ ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒሰተር ሊባኖስ ሓሰን ዳያብ፡ ጽባሕ ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ኮይኑ ክወዕል ኣዊጁ ኣሎ።