ፌስቡክ ቅድሚ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ፖለቲካዊ መወዓውዒ ከደስክል ምዃኑ ኣፍሊጡ

ማርክ ዛከርበርግ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ፌስቡክ፡ ቅድሚ ምርጫ ኣሜሪካ ኣብ ዘሎው ሸውዓተ መዓልትታት ዝኾነ ፖለቲካዊ መወዓውዒ ከም ዘይቅበል ኣፍሊጡ።

ወናንን ኣካያዲ ስራሕን እቲ ትካል ማርክ ዛከርበርግ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ: ኣብታ ሃገር ዘሎ ምክፍፋል ከም ዘሻቐሎን፡ ነታ ሃገር ናብ ዘይምርግጋእ ከምርሕ ተኽእሎ ከም ዘሎን ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ ምቑጻር ድምጺ ቅድሚ ምዝዛሙ ከም ዝተዓወቱ ንዝገልጹ ብተወዳደርቲ ዝልጠፉ ጽሑፋት ምልክት ክገብረሎም ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎም መወዓውዒታት ኣብ ክንዲ ብሰፊሑ ህዝቢ ዝርእዮም፡ ናብ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ከተኩሩ ብምግባሩ ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ።

ፌስቡክ፡ ብተወዳደርቲ ፖለቲከኛታት ንዝዝርጋሕ ሓበሬታ ሓቅነቱ ከም ዘየጻሪ ገሊጹ ብምንባሩ፤ እዚ ፖለቲከኛታትን ደገፍቶምን፡ ሓቂ ዘይኮነ ሓበሬታ ክዝርግሑ ዕድል ዝህብ እዩ ክብል ዘ ሞዚላ ፋውንዴሽን ከሲሱ።

እዚ ሓድሽ ስጉምቲ፡ እቲ ትካል ኣብ መጻኢ ንዝካየዱ ምርጫታት ብኸመይ ክሕዞም ከም ዝግባእ መምርሒ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ሕዳር 3 ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ምርጫ ድምጺ ክስረቕ ከም ዝኽእል ክምጉት ጸኒሑሎ።

እንተኾነ ግና ኣብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ምርጫታት ድምጺ ብብዝሒ ከም ዝተሰረቐ ዘርእይ መርትዖ የሎን።