እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣስታት 400 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ሜዲትራንያን ካብ ሞት ድሒኖም
ኣብ ባሕሪ ሜዲትራንያን፡ ኣስታት 400 ስደተኛታት ብሰለስተ መርከባት ካብ ሞት ከም ዝደሓኑ ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [UNHCR] ገሊጹ።
እቲ ዓለማዊ ትካል፡ እቶም ስደተኛታት ካብተን መራኽብ ብሰላም ከወርዱን ክድሕኑን ክፍቀደሎም ጸዊዑ'ሎ።
እቲ ኤጀንሲ፡ ምስ ዓለማዊ ውድብ ስደተኛተት [ኣይ ኦ ኤም] ብሓባር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ “ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ናይ ደቂ ሰባት ብህይወት ምድሓን ክኸውን ኣለዎ” ኢሉ።
ሓለውቲ ገማግም ባሕሪ ጣልያን፡ ኣብታ ብእንግሊዛዊ ኣርቲስት ባንክሲ እትውነን መርከብ ብህይወት ካብ ዝተረፉ፡ እቶም ኣዝዮም ተሃስዮም ዝነበሩ 49 ሰባት ካብታ መርከብ ክወጽኡ ገይሮም ኣለዉ።
እቲ ጉጅለ መድሕን፡ ለይቲ ናይ ድጋፍ ጻውዒት’ውን ገይሩ ነይሩ። እንተኾነ፡ ሰብ ስልጣን ኤውሮጳ ዛጊድ ቅልጡፍ ምላሽ ከምዘይሃቡ ይሕብር።
ክልቲኦም ትካላት ስደተኛታት፡ ዞባዊ ስምምዕ ዘይምህላዉ፡ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሰባት ንዘይምድሓን መመኽነይታ ክኸውን ኣይኽእልን ኢሎም።
“ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ነቶም ብባሕሪ ንዝመጽኡ ስደተኛታት ኣብ ምቕባል ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዓ ሃገራት ክሕግዛ ኣለዎን” ይብል እቲ ሓበራዊ መግለጺ።
እታ ብእንግሊዛዊ ኣርቲስት ባነክስኪ እትውነን መርከብ፡ ዛጊድ ብዙሓት ስደተኛታት ኣድሒና እያ።
ኣብዛ መርከብ ጥራይ፡ ልዕሊ 200 ስደተኛታት ነይሮም። እንተኾነ፡ እታ መርከብ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ጽዒና ከምዘለ ብምግላጽ፡ ብቕልጡፍ ክወርዱን ክሕገዙን ከምዝግባእ እቶም ኤጀንሲታት ገሊጾም።
“ዝኾነ ምድንጓይ፡ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ሓዊሱ ናይቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ህይወት ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል እዩ” ይብል።
ካልእቲ ንረዲኤት ዝመጽአት፡ 'SeaWatch4' ዝተብሃለት መርከብ ድማ፡ 350 ስደተኛታት እንተኣድሓነት’ኳ፡ ቀልጢፎም ካብታ መርከብ ክወርዱ ከምዘለዎም ኣፍሊጣ።
ሳልሰይቲ ናይ ባሕሪ መጓዓዝያ ድማ፡ ብሊብያ ኣቢሎም ዝሰገሩ፡ ገሊኦም ካብ ነሓሰ 5 ጀሚሮም ሰንፈላል ኮይኖም ዘለዉ ልዕሊ 27 ስደተኛታት ሒዛ ትጽበ ኣላ።
መረዳእታ ሕቡራት ሃገራት ከምዘርእዮ፡ ኣብ 2020፡ ካብ ሰሜን ኣፍሪካ ዝነቐሉ 443 ስደተኛታት ሞይቶም ወይከኣ ሃለዋቶም ኣይተፈለጠን።
ኣብዚ ተመሳሳሊ እዋን፡ ልዕሊ 40 ሽሕ ስደተኛታት ብባሕሪ ኣቢሎም ኣውሮጳ ኣትዮም ኣለዉ።