ኮሮናቫይረስ ሓቂ ኣይኮነን ኢሉ ዝኣምን ዝነበረ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ በቲ ቫይረስ ሞይታ

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK
ኮሮናቫይረስ ኣሎ ዝብል ወግዒ ሓሶት እዩ ኢሉ ዝኣምን ዝነበረ ብርያን ሊ ሂቸንስ ዝተብሃለ ተቐማጣይ ፍሎሪዳ ሰበይቱ በቲ ቫይረስ ሞይታ።
መራሒ ታክሲ ብርያንን በዓቲ ቤቱ ኢሪንን፡ እቲ ቫይረስ ሰባት ዝሰርሕዎ ምስ ሓምሻይ ወለዶ [5G ኔትወርክ] ዝተሓሓዝን ሰዓል መሳልን ከም ዝኾነ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣንቢቦም ነይሮም።
በዚ ዝተልዓለ እቶም መጻምዲ ንመምርሒታት ጥዕና ኣየኽብሩን ነይሮም፤ ኣብ መጀምርያ ወርሒ ጉንበት ምስ ሓመሙ'ውን ሓገዝ በዓል ሞያ ኣይሓተቱን፡፡
ብርያን ካብቲ ቫይረስ ክድሕን ከሎ፡ ጓል 46 ዓመት ሰበይቱ ግን ምስቲ ቫይረስ ብዝተሓሓዝ ናይ ልቢ ሕማም ንሞት ተቓሊዓ።
ብርያን፡ ቢቢሲ ዝምቡዓት ሓበሬታታት ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዘብጽሕዎ ኪሳራ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ንዘካየዶ መጽናዕቲ ሓሳቡ ኣካፊሉ ነይሩ፡፡
ኣብቲ እዋን ሰበይቱ ኣብ ሕክምና ብመተንፈሲ መሽን ትሕገዝ ነይራ፡፡
ሞት ዘስዕቡ ዘለዉ ጥርጣረታት
ኣብ ፍሎሪዳ ፓስተር ዝነበረት ኢሪን፡ ከም ኣዝማን ናይ ድቃስ ጸገምን ዝበሉ ሕዱር ሕማማት ነይሮምዋ።
እቲ ለበዳ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ድማ፡ ብምኽንያት እቲ ስኑዕ ሓበሬታ ናይ ሰብሞያ ጥዕና ምኽሪ የተግብሩ ከም ዘይነበሩ በዓል ቤታ ይዛረብ፡፡
መራሒ ታክሲ ብርያን ንበዓቲ ቤቱ መድሓኒት ዓዲጉ ከቐብላ እንከሎ ርሕቐቱ ከም ዘይሕሉን መሸፈን ኣፍን ኣፍንጫን ከም ዘይጥቀምን ይግለጽ።
ኣብ ወርሒ ጉንበት በቲ ቫይረስ ምስ ተታሕዙ ድማ ናይ ሰብ ሞያ ሓገዝ ኣይሓተቱን፡፡
"ምኽሪ ሰብሞያ ብእዋኑ ሰሚዐ እንተዝኸውን’’ ብምባል ጣዕስኡ ንቢቢሲ ዝገለጸ ብርያን በዓልቲ ቤቱ ይቕረ ክትብሎ ተስፋ ከም ዝገብር ተዛሪቡ።
‘‘እቲ ቫይረስ ንሰባት ብዝተፈለየ መልክዑ ዘጥቅዕ ሓቀኛ ቫይረስ እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ክቕይሮ ኣይክእልን፤ ሎሚ እናነበርኩ ንጽባሕ ዝሓሸ ኣማራጺ ምውሳድ ጥራሕ እየ ክገብር ዝኽእል’’ ኢሉ፡፡
‘‘ስቓያ ኣብቂዑ እዩ፤ ኣብ ሰላም እያ ዘላ፡፡ ዝናፍቓ እዋናት ኣሎ፤ ግን ድማ ኣብ ዝሓሸ ቦታ እያ ዘላ’’።
‘እቲ ነገር ሓቂ እዩ’
ብርያንን በዓልቲ ቤቱን፡ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ሓደ ጽኑዕ እምነት ከም ዘይነበሮም ይዛረብ፡፡
የግዳስ እቲ ቫይረስ ኣሎ ዝበሃል ሓሶት እዩ፣ ጸኒሖም እቲ ቫይረስ ምስ 5G ኔትዎርክ ዝተተሓሓዘ እዩ።
ካሊእ እዋን ድማ እቲ ቫይረስ ሓቂ እዩ ግን ድማ ቀሊል ሕማም እዩ ኣብ ዝብሉ ሓሳባት ዕንክል ይብሉ ነይሮም፡፡
እዚኦም ድማ ኩሎም ካብ ፌስቡክ ዝረኸቡዎም እዮም፡፡
‘‘መንግስቲ ኣቓልቦና ንምውሳድ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፡ ወይ ምስ 5G ኔትዎርክ ዝተተሓሓዘ እዩ ኢልና ሓሲብና’‘ ይብል ብርያን፡፡
ክልቲኦም ምስ ሓመሙ ግና፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ብዝሰምዖ ሓበሬታ ከም ዝተታለለ ኣብ ፌስቡኩ ጽሒፉ፡፡ እቲ ጽሑፍ ብዙሓት ሰባት ኣባጺሖምዎ ነይሮም፡፡
‘‘ናብ ደገ ኣብ እትወጹሉ እዋን መስተውዓልቲ ኩኑ፤ ከማይ ተዓሺኹም ከምቲ ኣባይን ኣብ ሰበይተይን ዘጓነፈ ነገር ከየጋጥመኩም’’ ብምባል ጽሒፉ።
ኣብ ዝሓለፈ ጉንበት ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም መጥቃዕቲ፣ ሓዊ ምትኳስን ሞትን ዝበሉ ሳዕቤናት ግጉይ ሓበሬታ ኮሮናቫይረስ ረኺቡ እዩ፡፡
ብምኽንያት ወረታት፣ ጥርጣረታት፣ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርግሑ ዝንቡዓት ሓበሬታታት ጥዕናን ኣንጻር ክታበታት ዝካየዱ ወፍርታን ቀጥታዊ ዘይኮነ ጉድኣት እቲ ቫይረስ ይዓቢ ከምዘሎ ሰብሞያ ይዛረቡ፡፡
ወነንቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝንቡዕ ሓበሬታታት ንምዕጋት ይሰርሑ እኳ እንተሃለዉ፡ እኹል ከም ዘይኮነ እዩ ዝግለጽ።
ጉድኣት ዘብጽሑ ግጉያት ሓበሬታታት ክልጠፉ ከምዘይፈቅድ ዝገልጽ ወሃቢ ቃል ፌስቡክ ‘‘ ኣብ መንጎ ሚያዝያን ሰነን፡ ምስ ኮሮናቫይረስ ዝተተሓሓዙ ስኑዓት ሓሬታታት፡ ናይ ሓሶት መድሓኒታትን ርሕቐት ምሕላው ከምዘይጠቅም ዝገልጹ ሓዊሱ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ልጣፋት ኣሊና ኢና’’ ኢሉ፡፡









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
