ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ፡ ንሰበስልጣን መንግስቲ ሓላፍነቶም ዘንጊዖም ክትብል ነቒፋ

ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ
Published

ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ተፈጢሮም ኣብ ዝነበሩ ጎንጺታት ሰበስልጣን መንግስቲ ሓላፍነቶም ብብቕዓት ኣይተዋጽኡን ኢላ።

እታ ቤተክርስትያን ንሞት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ዝተወለዐ ናዕቢ ኣብ ልዕሊ ሰዓብታ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ኣብቲ ሎሚ ረቡዕ ዘውጽኣቶ መግለጺ ሓቢራ።

መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ነቲ ክሲ፡ መሰረት ዘይብሉ ክብሉ ነጺጎዎ።

ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብ22 ሰነ 2012 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስተቐተለ ኣብታ ከተማን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከቡ ገለ ከባብታንን ዘይምርግጋእ ከምዝተፈጠረ ይዝከር።

እቲ መግለጺ 'ኣብ ገለ ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ተዋዲዶም ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ንዝተጎድኡ ምእመናን እታ ቤተክርስትያን እግሪ ንምትካል ዓሊሙ ከምዝተዘርግሐ ድማ ተሓቢሩ'ሎ።

ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ብምኽንያት እምነቶም ጥራይ ብዘስካክሕ ኩነታት ከምዝተቐተሉ፣ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸመን ንብረቶም ከምዝዓነወን እታ ቤተክርስትያን ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ኣዘኻኺራ።

"ብዙሓት ካብ መንበሪ ገዝኦም ተፈናቒሎም ኣብዚ እዋን ክረምቲ ኣብ ቀጽርታት ኣብያተ ክርስትያን፣ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላትን መንበሪ ገዛ ውልቀሰባትን ኣዕቚቦም ይርከቡ፤ ንኸቢድ ማሕበራውን ስነልቦናውን ቅልውላው ድማ ተሳጢሖም ኣለዉ" ይብል እቲ መግለጺ።

እታ ቤተ ክርስትያን፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ፍትሒ ክረጋገጽ ንምግባር ግቡእ ስጉምትታት ኣይወሰዱን ክትብል ትነቅፍ።

ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ፤ ንጥፍኣተኛታት ከምዘይዕገሱ፣ ግቡእ ፍትሒ ከምዝህቡን ንዝተጎድኡ ከምዝክሕሱን ዝኣተውዎ ቃል ንኸተግብሩ ብትዕግስቲ ክትጽበይ ምጽንሓ ዘዘኻኸረት ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ፤ እንተኾነ ነቲ ዝኣተውዎ ቃል ብእዋኑን ብብቕዓትን ክፍጽሙ ከምዘይረኣየት ሓቢራ።

ካብ 22 ክሳብ 24 ሰነ 2012 ኣብ ዝነበሩ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝነበረ ጎንጺ፡ ብውሑድ 67 ኣመንቲ ከምዝተቐተሉ፣ 38 ኸቢድ 29 ድማ ቐሊል ኣካላዊ መጉዳእቲ ከምዝበጽሖም እቲ ሎሚ ረቡዕ ዝወጸአ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ልዕሊ 7 ሽሕ ኣመንቲ ካብ መንበሪኦም ካብ ምፍንቓሎም ብተወሳኺ ንስነልቦናውን ኣእምሮኣውን ቅልውላው ከምዝተሳጥሑ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ'ሎ።

ልዕሊ 5 ቢልዮን ዝግመት ንብረት ብዘመተን ብቓጸሎን ከምዝሰኣኑ ነቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ንምጽናዕ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ዋና ቤተክህነት ዝተጣየሸ ዓብዪ ኮሚቴ ኣፍሊጡ'ሎ።

'ካብ ሓቂ ዝረሓቐ መግለጺ'

ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ኦሮምያ፡ ኣይተ ጌታቸው ባልቻ፡ ነቲ ዝወጽአ መግለጺ ከምዘይቕበልዎ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ዘውጽአቶ መግለጺ ንሓቃዊ ኩነታት እቲ ክልል ዘየረጋገጸ ከምኡ'ውን ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕትን ዝርከበሉ ደረጃን ዘየርእይ ምዃኑ ኢና ክንሕብር ንፈቱ። ስለዚ እቲ ስምዕታ ንመንግስቲ እቲ ክልል ከምዘይምልከት ኢና ንወስዶ" ኢሉ።

ኣይተ ጌታቸው ባልቻ ብምቕጻል፡ "ንሕና ነቶም ዝተጎድኡ እግሪ ነትክሎም ዘለና ሰብ ብምዃኖምን ኣብ ክልልና ስለዝነብሩን ጥራይ እምበር ብብሄር ወይ ብሃይማኖት ፈሊና ኣይኮነን። ነዚ ሓላፍነትና እውን እናፈጸምና ኢና።

. . . ንጥፍኣተኛታት ናብ ሕጊ ነቕርብ ኢና ዘለና። ነቶም ካብ ገዝኦም ዝተመዛበሉ እውን ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር ብዘይኣፈላላይ ሃይማኖት ናብ ገዝኦም ናይ ምምላስን ምሕጋዝን ንሰርሕ ኣለና። ስለዚ እቲ ዝወጸ መግለጺ ንሓቃዊ ኩነታት ክልልና ዘየገናዘበን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ኢልና ኢና ንወስዶ" ዝብል ምላሽ ሂቡ።