ፍሉይ ሓይሊ፡ ስግኣት ሃገራዊ ሓድነት'ዶ ጸግዒ ክልላዊ ድሕነት?

Published

ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ዳርጋ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ኣድላዪ ዕጥቂ ዘማልአ ናይ ባዕለን ፍሉይ ሓይሊ ኣቚመን'የን።

እዚ ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ከም ዝኾነ ብምግላጽ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ዝውደበሉ ኣገባብ'ውን ሕጋዊ መሰረት የብሉን ኢሎም ዝካትዑ ኣለው።

ብኻልእ ወገን፡ ረብሓ ፖሊስ ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ግምት ብምእታው ድሕነት ህዝቢ ሓደ ክልል ንምሕላው ዝለዓለ እጃም ኣለዎ ዝብሉ ኣለው።

ዓለምለኻዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፍሉይ ሓይሊ ክምስረት ካብ ዝጅምር ንነጀው፡ ብፖሊስ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሰፊሕ እዩ ይብል።

ተመራማሪ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣቶ ፍስሃ ተክሌ፡ ኣብታ ሃገር ካብ 1998 ዓ.ም ንድሓር ኣብ ክልል ሶማሌ ፍሉይ ሓይሊ ክቐውም ከም ዝጀመረ ይዛረብ።

"ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ብዝተሓሓዝ'ዩ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ተመስሪቱ። ብድሕሪኡ ኣብ ኦሮሚያን ኣምሓራን ካልኦት ክልላትን ክሰፍሕ ጀሚሩ" ኢሉ።

ተወላዲ ክልል ሶማሌን ክልተ ግዜ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝነበሩ ኣቶ ጀማል ድሪ ሃሊስ ቅድም ክብል ብዛዕባ ኣመሰራርታ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ብዝምልከት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ፡ "ሰራዊት ምክልኻል ኣብቲ ከባቢ ንዝንቀሳቐስ ዝነበረ ናይ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ሰራዊት ክድምስስ ብዙሕ ጻዕሪ ገይሩ ፈሺሉ" ኢሉ ነይሩ።

ኣቶ ጀማል ከም ዝብሎ እንተኾይኑ፡ ነቲ ጉጅለ ዝቃለሱ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ቋንቋን ባህል እቲ ከባቢ ስለ ዘይፈልጥዎ እቲ ተቓዋሚ ጉጅለ ካብቲ ተራ ዜጋ ምፍላይ ይጽገሙ ነይሮም።

" ኣብ 2007 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኦብነግ ነዳዲ ኣብ ምእላሽ ተዋፊሮም ዝነበሩ ልዕሊ 70 ቻይናውያንን ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያንን ቀቲሉ። በዚ ምኽንያት መንግስቲ ፌደራል ኣንጻር እቲ ጉጅለ ዘየናሕሲ ስጉምቲ ክወስድ ወሲኑ" ይብል።

ነዚ ብሕታዉን ወሳንን ኣማራጺ ዝነበረ፡ ኣብ ክልል ሶማሌ ስራሕ ኣልቦ ኾይኖም ጸገም ዝፈጥሩ ዝነበሩ መናእሰይ ብምዉዳብ፣ ስልጠና ብምሃብን ብምዕጣቕን ኣብ ልዕሊ ኦብነግ ክዘምት ምግባር'ዩ ይብል ኣቶ ጀማል ይገልጽ።

ሕጋዊ ኣመሰራርታ ፍሉይ ሓይሊ

ኣብ ዙርያ ኣመሰራረታ ፍሉይ ሓይሊ ካብ ዝለዓሉ ክትዓት እቲ ሓደ፡ ሕጋዊ ድዩ ኣይኮነን ዝብል እዩ።

ዓንቀጽ 52 ሕገመንግስቲ ፌደራላዊት ዴሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ስልጣንን ተግባርን ክልላት ይድንግግ።

ዓንቀጽ 52/ሰ ክልላት ናይ ባዕለን ፖሊስ ይውድባ፣ ይመርሓን ሰላምን ጸጥታን ግዝኣተን ይሕልዋን ይብል። እንተኾነ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ንትርጉም ክፍቲ ከም ዝኾነ መምህር ፌደራሊዝምን ሰብኣዊ መሰላትን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ሲሳይ መንግስቴ ይዛረብ።

"ካብቲ ስሩዕ ናይ ፖሊስ ሓይሊ ብተወሳኺ ክልላት ካልእ መሓውር ጸጥታ ክውድባን ከውፍራን የፍቕድ እዩ ኢሎም ዝትርጉሙዎ ኣለው። ብኻልእ ወገን ክልላት ነቲ ስሩዕ ፖሊስ ተጠቒመን'የን ሰላምን ጸጥታን ክሕልዋ ዘለወን ኢሎም ዝካትዑ ወገናት ኣለው"።

ፍሉይ ሓይሊ ዝምስረተሉ ኣገባብ ሕጋዊ'ዩ ኣይኮነን ንምባል ከም ዘጸግም ዝዛረብ ዶክተር ሲሳይ፡ "ሙሉእ ንሙሉእ ሕገ መንግስታዊ መሰረት የብሉን ምባል ኣይከኣልን። ሕገ መንግስታዊ መሰረት ኣለዎ ንማለት'ውን እቶም ድንጋገታት ግሉጽነት ይጎድሎም'ዩ" ይብል።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ መንግስቲ ፌደራል ምስ ኣተሓሕዛ ዕጥቅን ኣወዳድባን ብዝተሓሓዝ፡ ንጹር ፖሊሲ ብምውጻእ ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዝተጠቕሰ ዓንቀጽ ብዝርዝር ብሕጊ ክመርሖ ይግባእ ዝብል ርኢይቶ ኣለዎ።

ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ኣብ ዝወስድዎም ስጉምታት ካብ ሻራውነት ናጻ ከምዘይኮኑን ብዙሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፍጽሙን ብምግላጽ ክብተኑ ኣለዎም ዝብሉ ኣካላት ኣለው።

ሓደ ካብዞም ኣካላት ድማ ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ [ኢዜማ] እዩ። ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ሰልፊ ኣቶ ናትናኤል ፈለቀ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ኣመሰራርታ እዩ ዘለዎም ዝብል እምነት ኣለዎ።

"ክንዕዘቦም ከለና፡ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ንባዕሉ ጠበቓ ሓደ ብሄር ገይሩ ብምውሳድ ኣብቲ ዝተወደበሉ ክልል ዝነብሩ ተወለድቲ ካልእ ብሄር መጥቃዕቲ ክበጽሖምን ማሕለኻ ሰላምን ምርግጋእን ክኸውን ተራእዩ'ዩ" ኢሉ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ጉዳያት ውድብ ናጽነት ትግራይን ምሁር ፖሊቲካል ሳይነስን፡ ኣቶ መሓሪ ዮውሃንስ፡ ኣብ ኣድላይነት ምጥያስ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ካብ ዝኣምኑ ሓደ እዩ።

ብፍላይ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ "ህልው ፖለቲካዊ ኩነታትን ጸገም መሪሕነትን" ክልላት ዝተማልአ ሰላምን ድሕነትን ግዝኣተንን ንምርግጋጽ ክኣምንኦ ዝኽእላ ስነ ምግባራዊ ፍሉይ ሓይሊ ክህሉ ኣገዳሲ እዩ ይብል።

"ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ወረቐት ኣየድሕንን [ሕገ መንግስቲ]፤ ኣብታ ሃገር ክሕልወና ዝኽእል መንግስቲ ኮነ ሕጊ የለን። ብኣንጻሩ ምስ ጸላኢ ተሰሊፉ ከጥፍአና እዩ ዝደሊ። ስለዚ ክልላት ናይ ባዕለን ሰራዊት ክህልወን ግድን'ዩ" ኢሉ።

እዚ ሓይሊ ነቲ እተን ክልላት ዝመርሕ ፖለቲካዊ ሰልፊ ስለ ዝውግን፣ ብኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ዝፍጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስለ ዘለው፡ እቲ ኣወዳድባ ክፈርስ ኣለዎ ንዝብል ክትዕ ድማ ብምፍራስ ዘይኮነ ኣብ ኣተሃናንጻ ጥንቃቐ ክግበር ከም ዘለዎ ይዛረብ።

"ንዓይ ሐዚ ዘሎ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ህዝባዊ'ዩ። ብመሰረቱ ግን መንግስቲ እምበር ሓደ ውድብ ክዕጠቕ ስለ ዘይኽእል ናይ ፓርቲ መፈጸሚ ተገይሩ ክርአ የብሉን። ናብ ከምኡ ደረጃ ንከይኸይድ ድማ ክንቃለስ ኢና" ኢሉ።

ተመራማሪ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣቶ ፍስሃ፡ ቅድም ኢሉ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ብዝወሰዱዎም ስጉምታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ተፈጺሙ'ዩ ኢሉ።

ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ሶማሌን ኦሮሚያን ኣብ መዋሰንቲ ከባቢታት እተን ክልላት ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ፈጺሞም'ዮም ይብል።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ'ውን፡ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያ ኣብ ክልቲኦም ዞባታት ጉጂ "ካብ ሕጊ ወጻኢ ሰባት ከም ዝቐትሉን ኣባይቲ ከም ዘቃጸሉን ሰኒድና ኢና" ኢሉ ነይሩ።

ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝተላዐለ ግጭት ተሳቲፎም'ዮም ዝብል ኣቶ ፍስሃ፡ "ንሓደ ወገን ወጊኖም መጥቃዕቲ ኣብጺሖም'ዮም፤ ኣባይቲ ኣቃጺሎምን ካብ ሕጊ ወጻኢ ሰባት ኣሲሮምን'ዮም" ይብል።

ኣብ ቀረባ ግዜ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ኣብ ዘርኣዮ ወተሃደራዊ ምርኢት፡ ፈኲስን ማእከላይን ብረት ኣጽዋር ዝተዓጠቑ ኣባላት ተራእዮም'ዮም።

ካልኦት ክልላት'ውን ተመሳሳሊ ኣጽዋር ተዓጢቐን እየን ዝበለ ብርጋዴር ጀነራል ሃይሉ ጉንፋ፡ ብመንጽር ዝወሃቦም ልኡኽ እቲ ዝዓጠቕዎ ብረት ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝኾነ ይዛረብ።

ኢታማጆር ሹም ኣደም መሓመድ ግን ምስ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ ኣብ መሰረት ሕጋዊነት ሕቶ ብምልዓል፡ ብሓይሊ ዝዓጠቑ'ዮም ክበሃል ግን ኣይክኣልን ኢሉ።

"እቶም ፍሉይ ሓይሊ ከቢድ ኣጽዋር ተዓጢቖም'ዮም ክብሃል እንከሎ ኣይርድኣንን። ናይ ዕጥቂ ደረጃ ኣሎ'ዩ እኳ እንተዘይበልኩ፡ እቲ ከቢድ ኣጽዋር ዝተባህለ ግን ናይ ጉጅለ ኣጽዋር ንማለት ክኸውን ይኽእል'ዩ"።

ካብዚ ብዝብገስ፡ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ንሃገራዊ ሓድነት ስግኣት ስለ ዝኾነ ክብተን ኣለዎ ዝብሉ ወሃብቲ ርኢይቶ ኣለው። ብርጋዴር ጀነራል ሃይሉ ጉንፋ ግን በዚ ሓሳብ ኣይሰማማዕን።

'ፍሉይ ሓይሊ ኣገዳሲ ምዃኑ ናብ ሕቶ ዝኣቱ ጉዳይ ኣይኮነን' ዝብል ብርጋዴር ጀነራል ሃይሉ፡ ምኽንያት "በቲ ፍሉይ ሓይሊ ይፍጸሙ'ዮም ንዝበሃሉ ግህሰታት ምምሕዳራዊ ቢሮክራሲ እምበር እቲ መሓውር ኣይኮነን" ይብል።

"ፍሉይ ሓይሊ ተኣዚዙ ዝኸይድ ሓይሊ'ዩ፤ ነዚ ዝመርሓ ክልላት ወይ ፖለቲካዊ ውድባት ነቲ ክልላውን ሃገራውን ሕገ መንግስቲ ተኸቲለን ዝመርሕኦ እንተኾይነን ዝፈጥሮ ጸገም የለን" ኢሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነ ብፌደራላዊ ስርዓት ኣብ ዝመሓደራ ሃገራት ከምዚ ዓይነት ኣወዳድባ ሓይልታት ጸጥታ ከም ዘሎ ዝዛረብ ብርጋዴር ጀነራል ሃይሉ፡ ልኡኽን ሓላፍነትን ፖሊስ ፍሉይ ሓይሊ ከምኡ'ውን እቶም ኣባላት ዝስልጥኑሉ ስነ ምግባርን ክልሰ ሓሳብን ግን ክኽለስ ኣለዎ ይብል።

ንምዃኑ፡ ፖሊስ፡ ፌደራልን ሰራዊት ምክልኻልን ኣብ ዘለወሉ ስለ ምንታይ'ዩ ፍሉይ ሓይሊ ምጥያሽ ኣድላዪ ኮይኑ? ዝብል ሕቶ ኣልዒልና።

ብርጋዴር ጀነራል ሃይሉ ጉንፋ፡ ልኡኽ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ከባቢታት ዶብ ናይ ወጻኢ ጸላኢ ምክልኻል'ዩ ብምባል ልኡኽ ፍሉይ ፖሊስ ዝተወደቡ ሓይልታት ምምካት ከም ዝኾነ ይጠቕስ።

"ፖሊስ መዓልታዊ ንኣሽቱ ዝኾኑ ቴክኒካዊ ስራሕቲ'ዩ ዝሰርሕ። ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበለት ዓባይ ሃገር ንዝኾነ ዝተወደበ ሓይሊ ንምድምሳስ ሰራዊት ምክልኻል ካብ ዶብ ምስሓብ ዘዋጽእ ኣይኮነን" ኢሉ።