"ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ሰላማዊ ሰባት ኣጥቂዑ" ነበርቲ ወረዳ ጭልጋ

Published

ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣብ ዞባ ማእኸላይ ጎንደር ወረዳ ጭልጋን ከባቢኡን ብዝተፈጥረ ጸገም ጸጥታ፡ ስቪላትን ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ግዳያት ከም ዝኾኑ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ነባሪ ወረዳ ጭልጋ ዝኾነ መምህር መካሻው ኣቦ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ [3 ጳጉሜን 2011 ዓ.ም] ዝጀመረ ዘይምርግጋእ ምኻኑ ይዛረቡ።

ካብቲ ዕለት ጀሚሩ፡ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል፡ ናብቲ ከባብታት ተንቀሳቒሱ፡ ገለ ቀበሌታት ኣብ ቀለበት ኣእትዩ፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ እዮም ዝዛረቡ።

እቲ ሓይሊ፡ ነቲ ዝኸፈቶ ተኹሲ ከም መመኽነይታ ተጠቒምሉ ዝብሉዎ ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ሽፋቱ ኣለዉ ዝብል ከም ዝኾነ ወሲኾም ይዛረቡ።

ኣባል ኮሚቴ ዓርሰ-ምሕደራን ማንነትን ቅማንት ኣቶ ከፍኣለ ማሞ ብወገኑ ነዚ ሓቂ እዩ ዘረጋግጽ። ኣብዚ ዝተጠቐሰ ዕለት፡ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቒሶም "ወረራ ኣካይዶም' ይብል።

ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ድሕነትን ክልል ኣምሓራ፡ ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር፡ ብወገኑ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል፡ ናብቲ ከባቢ ምንቅስቓሱ ኣሚኑ፡ ዕላምኡ ድማ ሰላም ንምኽባር ከም ዝኾነ ይዛረብ።

መምህር መካሻው ግን፡ ኣብቲ ከባቢ ሽፍታ ዝበሃል ከም ዘየለን፡ ሰላማዊ ሰባት ብጥይት ተቐጥቂጦም ክጥቅዑ ከም ዝተገብረ እዮም ዝዛረቡ።

"ብሰናይ ድሌት ህዝቢ፡ መሰል መንነትን ዓርሰ-ምሕደራን ቅማንት ከኽብር ዝቖመ ኮሚቴ፡ ኣባላቱ ንምሓዝን ኮነ ተባሂሉ ዝተፍሓሰ ተንኮል'ዩ" ኢሎም።

እቲ ህዝቢ፡ 'ኣባላት እዚ ኮሚቴ ኣይትተንክፉልና' ይብል ስለ ዘሎ፡ 'ሽፍታ ክንሕዝ ኢና' ዝብል መመኽነይታ'ዮም ዝጥቀሙ ዘለው ኢሎም።

ብተወሳኺ፡ ኣባል እቲ ኮሚቴ ዝኾነ አቶ ከፍኣለ ማሞ፡ ብፍላይ ካብ መስከረም 10 ጀሚሩ፡ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ኣብቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ይፍኑ ከም ዘሎ ይዛረብ።

"መስከረም 11 ናብቲ ከባቢ ዘሚቶም፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን መናእሰይ ተኹሲ ከፊቶም፡ ካብኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓረስታይ መጥቃዕቲ ፈጺሞም" ይብል።

ሕዚ ድማ፡ ልዑል ቁጽሪ ዘለዎ ሰራዊት ናብቲ ከባቢ እናኣተዉ ከም ዝኾነ ይዛረቡ። ኣብ ልዕሊ ኣዝርእቲ ድማ ጉድኣት ከም ዘብጽሑ ሓቢሮም።

"ሓይልታት ጸጥታ ናብ ዝፈረየ እኽሊ ዘለዎ ሕርሻ ኣዝርእቲ ኣትዮም፡ ብእግሮም ምርጋጽ ምስ ጀመሩ፡ ሽዑ እቶም ሓረስቶት ምትኳስ ጀሚሮም" ኢሎም።

ድሕሪ እዚ ድማ ተኸታተሊ መጥቃዕቲ የብጽሑ ከም ዘለውን፡ ብፍላይ መስከረም 16፡ ጨንቾ ኣብ ዝተብሃለ ካባቢ ህይወት ሓደ ሰብ ከም ዝሓለፈን ይዛረቡ።

ከምኡ ድማ ኣይከልን ወናን ኣብ ዝተብሃሉ ከባቢታት፤ ቁጽሮም ብርክት ዝበለ ሰላማዊ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይዛረቡ።

ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ደድሕነት ክልል ኣምሓራ፤ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር፡ ሕቶ ማንነት ቅማንት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ከም ዘለዎ ኣብ ውሳነ ተበጺሑ'ዩ እንትብል፡ "ኣብቲ ክልል ሰላም ከይህሉ ዝገብሩ ኣለዉ"' ዝበሎም ሓይልታት ተሓተትቲ ገይሩ።

ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ንዝፍጠሩ ተመሳሳልቲ ጎንጽታት፡ ሓለፍቲ ጸጥታ እቲ ክልል ንዝቐርበሎም ሕቶ፡ 'ደጋዊ' ሓይልታት ዝኸሱ እንትኾን፡ ብስም ጸሪሖም፡ መረዳእታ ከቕርቡ ኣይስትውዓልን።

ዕላማ እዞም ብስም ዘይጸርሖም ሓይልታት፡ ኣብቲ ከባቢ ሰላም ከይዓስልን፡ ናብ መተማ ዝኸይድ መንገዲ ብምዕጻው፡ እቲ ሓረስታይ ዝባጽሐ ፍርያቱ ከይእክብ ኮነ ተባሂሉ ይስራሕ ከም ዘሎ ይዛረብ።

እቲ ጎንጺ ዝተልዓለ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሓደ ብገበን ዝጥርጠር ውልቀሰብ ሒዞም እንትኸዱ፡ ተኹሲ ስለዘተኸፈቶም ምዃኑ እዩ ዝዛረብ።

ጎንጺ እንትፍጠር ህይወት ይጠፍእ እዩ ዝብል እቲ ሓላፊ፡ ካብ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ'ውን ዝሞቱ ከም ዘለዉ ወሲኹ ይዛረብ።

ሕዚ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት እናተመሓየሸ ምመጽኡ ዝዛረብ እቲ ሓላፊ፡ እቲ ኩነታት መሊኡ ናብ ንቡር ክሳብ ዝምለስ ምስ ኣባላት ምክልኻል ሃገር ብሓባር ከም ዝሰርሑ ኣብሪሁ።

እቲ ፍሉይ ሓይሊ ካብቲ ከባቢ ክወጽእ ሕቶ ኣሎ። እንተኾነ ፡ "ሰላም ንምዕሳል ክሳብ ዝሰርሐ ኣይወጽእን" ኢሉ።