መንግስቲ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ 250 ቬንቲሌተራት ብሓገዝ ሂቡ

መተንፈሲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

መንግስቲ ኣመሪካ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ንምሕጋዝ ዝውዕሉ 250 መሳርሒታት ምስትንፋስ (ቬንቲሌተራት) ንኢትዮጵያ ብሓገዝ ሂቡ።

እቲ ሓገዝ ብመሰረት ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝነበሮ ናይ ስልኪ ዝርርብ ዝኣተዎ ቃል እዩ ተላኢኹ።

እቲ ሓገዝ፡ ኣመሪካ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ዘለዋ ውፉይነት ዘርኢ ከምዝኾነ ዝገለጸ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሚካኤል ረይነር፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ኣመሪካ ስርዓት ጥዕና ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ዝገበሮ ናይ ቢልዮን ዶላር ኣበርክቶ ዝተገብረ ሓገዝ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ ኮሮናቫይረስ ክፈጥሮ ዝኽእል ጸቕጢ ንምቕናስ ብሓባር ክሰርሑ ምዃኖም ኣምባሳደር ረይነር ኣብ እዋን ምርኽኻብ እቶም መሳርሒታት ተዛሪቡ።

ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ሊያ ታደሰ፡ ንልግሲ ፕረዚደንት ትራምፕ ብምንኣድ መንግስቲ ኣመሪካ ክገብሮም ዝጸንሐ ሓገዛት ኣብ ምምሕያሽ ስርዓት ጥዕና ኢትዮጵያ ኣበርክቶ ከምዘለዎም ገሊጻ።

ኣመሪካ፡ ነቶም ቬንትሌተራት ናይ ጽገና ግልጋሎት፡ ንሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ ድማ ስልጠና ከምእትህብ'ውን ኣፍሊጣ ኣላ።