ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዝነበሩ 2 ኣመሪካውያን ብዋሕስ ክፍትሑ ተወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, FB
ቅድሚ’ቲ ሓደ ወርሒ ኣብ ኢትዮጵያ ምስዘጋጠመ ዕግርግር ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣተዉ ሰባት፡ እቶም ክልተ ኣመሪካዊ ዜግነት ዘለዎም እዮም።
ምስ'ቲ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተልዓለ ናዕቢ ብዝተኣሰሰር፡ ብዝሒ ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ሰባት ልዕሊ 7 ሽሕ ከምዝኾነ ሰብ ስልጣን መንግስቲ ኣፍሊጦም እዮም።
ካብ መንጎ እዞም ሰባት፡ እቶም ሰለስተ ትውልደ ኢትዮጵያውያን ኮይኖም ግን ድማ ኣመሪካዊ ዜግነት ዘለዎም እዮም።
ካብኣቶም፡ ትማሊ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ፡ ሬድዋን ኣማንን ዩሱፍ በሽርን ብዋሕስ ክፍትሑ ቤት ፍርዲ ከምዝወሰነ ጠበቐኦም ንቢቢሲ ኣፍሊጡ።
እዞም ሰባት፡ ቅድም ክብል ኣብ ኣመሪካ እዮም ዝነብሩ ነይሮም።
ኣብዪ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ናብ ስልጣን ምስመጸ ግን፡ ተስፋ ገይሮም እዮም ናብ ዓዶም ተመሊሶም ነይሮም።
ክልቲኦም፡ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም፡ ነፍሲወከፎም ብ6 ሽሕ ቅርሺ ዋሕስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽኡ ከምዝተወሰነ፡ ጠበቓ እቶም ውልቀ ሰባት፡ ኣይተ ከድር ቡሎ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ካብ'ቲ ቤት ማእሰርቲ ተሎ ክወጽኡ ተስፋ ኣለዎም ድማ ኢሉ።
እቲ ሳልሳይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ኣመሪካዊ፡ ሚሻ ጪሪ ዝበሃል ኮይኑ፡ ኣብ ኦኤምኤን ቴክኒሽያን ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ እዩ።
ሚሻ ቅድሚ ሕዚ ኢምባሲ ኣመሪካ ንምርካብ ሓቲቱ ከምዘይተፈቐደሉ ቅሬትኡ ገሊጹ እዩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኢምባሲ አመሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣመሪካውያን እንተሃልዮም ኣድላዪ ድጋፍ ከምዝገብረሎም ኣብ ፌስቡኩ ኣፍሊጡ ኣሎ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
