80 ኪሎሜትር ተጓዒዛ ኣብ ናይ ቀደም መንበሪ ገዛ ዋናታታ ዝተረኽበት ከልቢ

ምንጪ ስእሊ, Drew Feeback
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ካንሳስ ካብ ዝተብሃለ ግዝኣት ኣመሪካ ዝርከብ መንበሪኣ ተሰዊራ ንዋናታታ ከተሻቕሎም ዝቐነየት ከልቢ፡ ኣብ ካልእ ግዝኣት ኣብ ናይ ቀደም መንበሪ ገዝኦም ተረኺባ።
ናይ ቀደም መነበሪ ዋናታታ፡ ካብቲ ሕጂ ዝነብሩሉ 50 ማይል ወይ ልዕሊ 80 ኪሎሜትሮ ርሒቑ እዩ ዝርከብ።
እዛ ክልዮ እናተብሃለት እትጽዋዕ ከልቢ ዕድሚኣ ኣርባዕተ ዓመት ኮይኑ፡ ካብ 2 ሓምለ ጀሚራ ናበይ ከምዝተሰወረት ኣይተፈልጠን ነይሩ።
ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ግን፡ ኣብ ኣፍደገ እቲ ናይ ቀደም ገዘኦም ተራእያ-ተባሂሉ።
ዋና እቲ ገዛ ዝኾነ ኮልቶን ሚካኤል፡ ንመራኸብቲ ብዙሃን ከምዝበሎ፡ ናብዚ ገዛ ካብ ዝቕይሩ ዳርጋ ክልተ ዓመት ኮይኑዎም ኣሎ።
እታ ከልቢ፡ ዝኾነ ሰብ ክጽግዓ ትቑጣዕ ከምዝነበረት'ውን ይገልጽ።
"ናይ ቀደም ገዝኣ ብትኽክል እያ ዘኪራቶ። እንተኾነ ኣብቲ ገዛ ካልኦት ሰባት እዮም ዝነብሩ ዘለው። እዚ፡ ኣዝዩ ዘፍርሕ ክስተት እዩ" ክብል ንሓደ መደበር ቴሌቪዥን ተዛሪቡ።
ማይክሮቺፕ እናተብሃለ ዝጽዋዕ ጥረ ነገር ኣብ ውሽጢ ኣካላታ ተሰኲዑ ተረኺቡ። እቲ 'ቺፕ' እታ ከልቢ ኣበይ ከምዘላ ዝሕብር እዩ።
ዝጨነቖ ሚካኤል፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን 'ከልቢ ዝረኣኹም ዓይንኹም ይብራህ' ዝብል ምሕጽንታ ኣብ ፌስቡክ ዝለጠፈ ሰብ ከም ዝነበረ ዘኪሩ።
በዓልቲቤቱ ንሚኪኤል ወናኒ ገዝኦም ዝነበረ ስም ምስቲ ኣብቲ ቺፕ ዝነበረ ኣመሳኺራቶ።
ድሪው ዝተባህለት ወናኒት እታ ከልቢ 'ተረኺባ' ምስተብሃለት ዝተሰማዓ ሓጎስ ካብ መጠን ንላዕሊ ከምዝኾነ ንሲ-ኤን-ኤን ተዛሪባ።
"እዚ ዝገርም ዛንታ እዩ። ብፍላይ ንዓይን ንኣደይን ኩሉ ነገርና እያ" ኢላ።
ክልዮ፡ ካብ ገዛ ናብ ገዛ 50 ማይልስ እያ ተጓዒዛ። ካብ ከባቢ ካንሳስ ዝበሃል ግዝኣት፡ ሚዙሪ ናብ ዝበሃል እያ ከይዳ።
ብመኪና ዝተጨናነቑ ጽርግያታትን ሩባታትን ጠሓሒሳ ከይዳ ዝበለ ሚካኤል፡ 'ከመይ ኢላ እዚ ኹሉ ሽግር ሓሊፋ ኣብዚ ከምዝበጽሓት ክትሓስቦ ዘገርም'ዩ' ኢሉ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
