ስፔን፡ ከባቢ 100 ሽሕ 'ሚንክ' ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ክውገዳ ወሲና
![ሚንክ [ምጹጽላይ ዝመስላ እንስሳ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/CA7D/production/_113473815_gettyimages-107157939-594x594.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰብ መዚ ስፔይን ሚንክ [ምጹጽላይ ዝመስላ እንስሳ] ኣብ ዝራብሓሉ ሕርሻ ኣብ መብዛሕቲኤን ኮሮናቫይረስ ስለ ዝተረኸበ ኣስታት 100,000 ከምዝውገዳ ኣፍሊጦም።
ኣራጎን ኣብ ዝተባህለት ግዝኣት ዝርከብ ሕርሻ እቲ ለብዒ ከም ዘሎ ክፍለጥ ዝኸኣለ ኣብ ወርሒ ግንቦት በዓልቲ ቤት ሓደ ሓረስታይ ብኮቪድ-19 ምስ ተትሓዘት'ዩ።
ካብቲ ግዜ ንደሓር በዓል ገዝኣን ካልኦት ሽድሽተ ሰራሕተኛታት ሕርሻ እቲ ቫይረስ ከም ዝተረኸቦም ተገሊጹ'ሎ።
ኮሮናቫይረስ ኣብቶም ሓረስቶት ካብ ዝርከብ ጀሚሩ እተን ቆርበተን ንዝተፈላለዩ ረብሓታት ንምውዓል ዓሊሞም ዘርብሕወን 'ሚንክ' ዝበሃላ እንስታት ተፈልየን ክትትል ክግበረለን ጸኒሑ እዩ።
ብ13 ሓምለ ዝተገበረለን ምርመራ ከኣ 87 ሚኢታዊት ካብተን እንስሳት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዛ ተፈሊጡ።
በዚ ምኽንያት ድማ 92,700 ካብተን እንስሳት ክውገዳ ሰብ መዚ ጥዕና ስፔን መምርሒ ሂቦም።
ነተን እንስሳ የርብሕ ንዝነበረ ኩባንያ ካሕሳ ከም ዝወሃቦ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም ኣለዉ።
ኣብ ስፔን ልዕሊ 250,000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክተሓዙ ከለዉ 28,000 ሞይቶም'ዮም።
ኮሮናቫይረስ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ?
መጽናዕቲታት ከምዝሕብርዎ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሞንጎ ገለ እንስሳት ብፍላይ ድሙን ከልብን ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎ ኣለዎ።
ካብ እንስሳት ናብ ሰብ ናይ ምስግጋር ኣጋጣሚ ብዝምልከት ግን እኹል መረዳእታ ኣይተረኸበን። ተመራመርቲ ግን ነቲ ሓደጋ ምትሕልላፍ የጽንዕዎ ከም ዘለዉ ይግለጽ።
ኣብ ዴንማርክን ኔዘርላንድን እውን ነተን ሚንክ ዝበሃላ ምጹጽላይ ዝመስለ እንስሳት ኣብ ዘርብሑ ቦታታት ዝሰርሑ ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም እዩ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
