ኮሮናቫይረስ፡ ፍሎሪዳ መዓልታዊ ልዕሊ 15 ሽሕ መልከፍቲ ተመዝግብ ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ግዝኣት ኣሜሪካ ዝኾነት ፍሎሪዳ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራሕ ሓደሽቲ ኮሮናቫይረስ ዝተረኽቦም 15,299 ሰባት ኣመዝጊባ። ተወሰኽቲ 45 ሰባት ድማ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሞይቶም።
7 ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ ኣሜሪካ ዝርከባ ግዝኣት'ኳ እንተኾነት፡ ዳርጋ ርብዒ መዓልታዊ ኣብ ኣሜሪካ ዝምዝገብ ቑጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣብታ ግዝኣት ጥራሕ ተመዝጊቡ ኣሎ።
እዛ ግዝኣት ሃገር እንተትኸውን ነይራ፡ ኣብ ዓለም ዝለዓለ መልከፍቲ ዘመዝገበረት ራብዐይቲ ሃገር ክትብሃል ነይራ።
ልዕሊ 40 ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከባ ሆስፒታላት፡ እቶም ክፍሊታት ጽኑዕ ሕክምና መሊኦም ምህላዎም ይገልጻ።
ዓውዲ ቱሪዝም እታ ግዝኣት ብኮሮናቫይረስ ኣዐርዮም ካብ ዝተጸለው ጽላታት ሓደ ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ተወሲዶም ዝነበሩ ስጉምታት ክተልዕል ጀሚራ ነይራ።
ኣመሓዳሪ ሮን ዲሳንቲስ፡ ብምኽንያት እቲ ዝርኣይ ዘሎ መልከፍቲ ተኸፊተን ዝነበራ ባራት ክዕጸዋ እኳ እንተኣዘዘ፡ ብዝሒ ሰብ ኣብ ዝርከበሎም ቦታታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ዝብል መምርሒ ግን ክፎክስ ገይሩ'ዩ።
በዚ ምኽንያት፡ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሓይሊ ዕማም ምቁጽጻር ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ኣሜሪካ ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ፡ ኣብታ ግዝኣት ዝነበረ ኣዋጅ ዕጽዋ ክፎክስ ምግባሩ ልክዕ ኣይኮነን ብምባል ይነቕፎ።
ኣብ ኣሜሪካ፡ ጉዳይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ፖለቲካዊ መልክዕ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ነዚ ዝቃወሙ ሰባት ውልቃዊ ናጽነትና ዝዳፋእ እዩ ብምባል ኣይቕበሉዎን።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ኣብ ዝተፈላላያ ግዝኣታት ኣሜሪካ ኣንጻር መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ካልኦት ስጉምታት ምክልኻል ዝርግሐ እዚ ቫይረስን ዘቕንዑ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ተኻይዶም'ዮም።
ኣብ ዙርያ ኣገዳስነት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ሕቶታት ከልዕል ዝጸንሐ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ'ውን እንተኾነ፡ ብቐዳም'ዩ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ገይሩ ንፈለማ እዋን ተራእዩ።
"ተቓዊመዮ ኣይፈልጥን፤ ግን ድማ ግዜን ቦታን ዝጠልብን'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ" ዝብል ርኢይቶ ድማ ሂቡ።
ኣሜሪካ፡ ካብ ቀረባ መዓልታት ጀሚራ መዓልታዊ 60 ሽሕ ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ክተመዝግብ እንከላ፡ ኣሪዞና፣ ቴክሳስን ካሊፎርኒያን ልዑል ቑጽሪ መልከፍቲ የርእያ ኣለዋ።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ኮቪድ-19 ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 134 ሽሕ ሰባት ሞይቶም።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
