እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ኣብ መዓልቲ ልደተይ፡ ካብ ዝሞተ ኣቦይ መልእኽቲ በጺሑኒ'
ናታሻ ሳልማን፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እዩ ኣቦኣ ዓሪፉ። ንፈለማ እዋን ድማ፡ ኣዝያ እትፈትዎ ኣቦኣ ብዘይብሉ ልደታ ክተኽብር ትዳሎ ነይራ።
ሳልማን ዋሂድ ን5 ዓመታት ብሕማም ኣእምሮ ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ፡ 24 ሚያዝያ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።
ናታሻ ኣብ ድሮ መዓልቲ ልደታ ኣቦኣ ብሕልማ ክትሪኦ ከምእትኽእል ትሓስብ ነይራ። ኣይኮነን።
እዛ ሕክምና እተጽንዕ ጓል 22 ዓመት ተምሃሪት፡ ንኣቦኣ ብሕልማ ስለዘይረኣየቶ ሓዚና እንከላ መዓልቲ ልደታ ኣትያ።
ዓሰርተ ሻዕ ናብ ሕልናኣ እናመጸ ይርብሻ ነይሩ። ካብኡ ሃንደበት፡ ኢመይል ኣድራሻኣ ከፊታ ምፍታሸ ጀሚራ።
ኣብ ኢመይል ኣድራሻኣ ምስኣተወት፡ ዝጸንሑ መልእኽታት ትእልሽ ጀሚራ።
ብፍላይ ድማ ዘይድለዩ መልእኽታት [spam] ትስርዝ ነይራ።
ክሳብ ኣጸቢቓ እትርእዮ፡ ክትስርዞ ቀሪባ ዝነበረት ሓደ መልእኽቲ ድማ ትረክብ።
"ባባ" ዝብል ቃል ምስረአየት ንቐልባ ስሒብዎ።
“እንኳዕ ኣብጸሐኪ ዶክተር ናታሻ። ኩሉ ጊዜ ካብ ዝፈትወኪ ኣቦኺ!” ዝብል መልእኽቲ ኣለዎ።
ከመይ ክኸውን ክኢሉ?
ሳልማን ነቲ ኢመይል ኣብ ወርሒ ሓምለ 2017 እዩ ጽሒፍዎ።
ኣብቲ እዋን በቲ ዝሓደሮ ሕማም፡ መዓስ ከምዝመውት ዳርጋ ገሚቱ ከምዝነበረ እያ ትኣምን።
እቲ መልእኽቲ መዓስ ናብ ጓሉ ክስደድ ከምዘለዎ ቀዲሙ መዓልቲ ፈልዩ መዘኻኸሪ ገይርሉ ጸኒሑ።
“እቲ መልእኽቲ ኣዝዩ እዩ ኣሐጒሱኒ። ንካልኦት ኣሓተይ ድማ ነጊረየን። ንሰን’ውን ከምኡ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ረኺበን” ኢላ።
“ኣዕርኽተይ እቲ መልእኽቲ ኣዝዩ ዝገርም ከምዝኾነ ምስ ነገራኒ፤ ኣብ ትዊተረይ ጠቂዐዮ። ዝገርም ግብረ መልሲ ድማ ረኺበሉ” ኢላ።
እዚ ‘ፐርፌክት ባባ’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ትዊተር ዝጠቀዐቶ ጽሑፍ፡ ልዕሊ 373 ሽሕ ተፈትዩ። ልዕሊ ሓደ ሽሕ ድማ ርእይቶ ተዋሂብዎ።
ሰባት ንዓኣ 'ኣጆኺ' እናበሉ ናታቶም ዛንታ ውን ከካፍሉ ጀሚሮም። ሚካኤላ ዳንኤል ዝተብሃለት ሓንቲ ካብኣቶም እያ።
“እቲ ስምዒትኪ ኣነ’ውን ተሰሚዑኒ። መዓልቲ ልደተይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዩ ነይሩ። ኣቦይ ግን ቀዲመ እየ ስኢነዮ። ኩሉ ጊዜ ኣብ መዓልቲ ልደተይ ቅድሚ ኹሉ መጺኡ ይስዕመኒ ነይሩ። ‘በርቲዕኺ ስርሒ ዛጓለይ’ ይብለኒ ነይሩ” ክትብል ዛንታኣ ኣካፊላ።
“ሕዚ ግን ብጣዕሚ እየ ዝናፍቖ” ድማ ኢላ።
ናታሻ፡ ነዞም ዝተፈላለዩ መልእኽታት ዝለኣኹላ ሰባት፡ ኣኪባ ምኽሪ ክትህብ ድማ ጀሚራ ኣላ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንዝሓዘኑ ሰባት ምኽሪ ዝህብ ጂል ፍራምፕቶን፡ “ሓደ ሰብ ሞይቱ ማለት፡ እቲ ርክብ ተወዲኡ ማለት ኣይኮነን። መልክዑ ቀይሩ እዩ ዝቕጽል” ኢሉ።
“ከም ደቂ ሰባት፡ እዚ ኣካላዊ ርክባት ንደልዮ ንኸውን። እንተኾነ፡ እቲ ፍቕራዊ ስምዒት ካብ ውሽጥና ኣይጠፍእን። ዋላ ምስ ሞተ፡ ኣካል ናትና ኮይኑ እዩ ዝነብር” ዝብል ርእይቶ ሂቡ።