ኣብ ህንዲ ኣቦን ወድን ኣብ ኢድ ፖሊስ እናሃለዉ ምሟቶም ቁጠዐ ፈጢሩ

ህንዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ታሚል ናዱ ኣብ እትበሃል ደቡባዊት ግዝኣት ህንዲ፡ ኣቦን ወድን አብ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዮም እንከለዉ ብምሟቶም ቁጠዐ ፈጢሩ።

ፒ ጀያራጅ ዝበሃሉ ወዲ 58 ዓመት ኣቦን ፌኒክስ ዝበሃል ወዲ 38 ዓመት ወዶምን፡ ኣብታ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምንቅስቓሳት ተኣጊዱላ ዘሎ ታሚል ናዱ፡ ኣብ ሰዓት እቶ እቶ ድኳን ከፊትኩም ብዝብል እዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ክልቲኦም ሰባት፡ ኣብ ቀይዲ ምስኣተዉ ድሕሪ ክልተ መዓልታት እዩ ኣብ ናይ ሰዓተት ኣፈላላይ ህይወቶም ሓሊፉ።

ቤተሰብ ናይቶም መወትቲ፡ ኣብ ማእሰርቲ እንከለዉ ሓያል መውቃዕቲ ኣጋጢምዎም ከምዝነበረ እዮም ዝዛረቡ።

ድሕሪ ሞት ናይዞም ኣቦን ወድን ድማ፡ ሕብረተሰብ ናይቲ ከባቢ ፍትሒ ክረኽቡ ይሓትት ኣሎ። ናይታ ከተማ ቤት ፍርዲ’ውን ነቲ ጉዳይ ይከታተሎ ኣሎ።

ነቶም መወትቲ ዝኣሰሩዎም ፖሊስ ናብ ካልእ ቦታ ዝተቐየሩ ኮይኖም፡ መንግስቲ ናይታ ግዝኣት፡ ንስድራ እቶም መወትቲ ካሕሳ 13,222 ዶላር ሂብዎም።

እቲ ጉዳይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብገፊሑ ምስተዘርገሐ፡ ብደረጃ ሃገር ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ’ሎ።

ብዙሓት፡ ነቲ ተግባር ምስቲ ኣ ብቀረባ እዋን ኣብ ኣመሪካ ዘጋጠመ ሞት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ እናነጻጸሩ፡ ንጭካነ ፖሊስ ይኹንኑ ኮኒኖም።

እቶም ነዚ ተግባር ፈጺሞም ዝተብሃሉ ፖሊስ፡ ብገበን ቅትለት ስለዘይተኸሰሱ ድማ እዩ ቁጠዐ ፈጢሩ ዘሎ።

ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህንዲ ንዝፍጸሙ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛታት ብዝምለከት ጸብጻብ ዘውጸአ ሓደ ገባሪ ስናይ ትካል፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 1,731 ሰባት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህይወቶም ሓሊፉ እዩ።

እዚ ማለት መማ፡ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 5 ሰባት ኣብ ማእሰርቲ እንከለዉ ይሞቱ ማለት እዩ።