ክልል ትግራይ፡ ኣብ ቤተ እምነታት ጥንቃቐ ዝጎደሎ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ተገሊጹ

ማይ ጸሎት እንዳ ኪዳነ ምህረት መቐለ
መግለጺ ስእሊ, ማይ ጸሎት እንዳ ኪዳነ ምህረት መቐለ
Published

ጓል 16 ዓመት ኤርትራዊት እያ። ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ እያ ትነብር። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጉንበት፡ ማይ ጸሎት ክትሕጸብ ዋልድባ ናብ ዝበሃል ገዳም ከይዳ ነይራ።

ናብቲ መዓስከር ስደተኛታት ምስተመለሰት ግን፡ ብዙሕ ከይጸንሐት ሓሚማ። ምስተመርመረት ከኣ፡ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዘት ተፈሊጡ።

ካብ ማይ ጸሎት ምስ ተመለሰት ምስ ቤተሰባ፡ መሓዙታን መቕርባን እያ ተሓዋዊሳ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ንሳ ኣክሱም ናብ ዝርከብ ማእከል መሐከሚ ኮሮናቫይረስ ክትውሰድ እንከላ፡ እቶም ምስኣ ምትንኻፍ ዝነበሮም ንበይኖም ክፍለዩ ተገይሩ።

ድሕሪ'ዚ ድማ፡ ምስኣ ምትንኻፍ ዝነበሮም 2 ኤርትራውያን'ውን በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተገሊጹ እዩ።

እዚ ድማ፡ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት እቲ ቫይረስ እንተተዘርጊሑ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ሓያል ስግኣታት ፈጢሩ'ሎ።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሰባት ተጻቢቦም እዮም ዝነብሩ። ኣብ ሓንቲ ጸባብ ክፍሊ፡ ክሳብ ኣርባዕተን ልዕሊኡን ሰባት ከምዝነብሩ ይግልጽ። እሞ ድማ፡ ኣብ ሓደ መዓስከር፡ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት እዮም ዝርከቡሩ።

ኣብ ልዕሊኡ ድማ፡ ናይ ማይ ሕጽረት ከምዘሎ ብተደጋጋሚ እዩ ዝግለጽ። እዚታት ተደማሚሩ፡ ኮሮናቫይረስ ከውርዶ ዝኽእል ሓደጋ ኣስጋኢ ገይርዎ ኣሎ።

ቤተ እምነታትን ማይ ጸሎታትን

ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ንሃይማኖት ዓብዪ ቦታ እዩ ዘለዎ። ኣብ ህይወቱ ንዘጋጥምዎ መንፈሳዊ ኮነ ዓለማዊ ጭንቅታት መልሲን ፍታሕን ከናዲ፡ ናብ ቤተ-እምነታት ኣዘውቲሩ እዩ ዝኸይድ። ከከም ሃይማኖቱ ተኣኪቡ፡ ጸሎትን ካልእን ሃይማኖታዊ ስርዓታት ይፍጽም።

ተኣኪብካ ዝፍጸም ስርዓታት ድማ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብቐሊሉ ክዝርጋሕ፡ ብዙሓት ነቲ ሕማም ከቃልዑ ምኽንያት ክኸውን ተራእዩ እዩ።

ንኣብነት፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ንምልባዕ እቲ ቫይረስ፡ ኣብ ኣመንቲ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ዘጋጠመ መልከፍቲ ዓብዪ እጃም ተጻዊቱ እዩ።

ድሕሪ ምእዋጅ እቲ ለበዳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣመንቲ ኣብ ቤቶም ኮይኖም ጸሎት ክገብሩን ንባዕሎም ካብ ኮሮናቫይረስ ክከላኸሉን ሰፊሕ ጎስጓስ እናተኻየደ ጸኒሑ ነይሩ፡፡

ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ'ውን፡ ኮሮናቫይረስ ናይ ምክልኻል ኣዋጅ ንምፍጻም፡ ቀሊል ዘይበሃል ብደሆታት ኣጋጢምዋ ምንባሩ ዝዝከር።

ንኣብነት፡ ካብ ኣፍልጦ እታ ቤተ ክርስትያን ወጻኢ፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናትን ኣብ ጥቕኡን ተኣኪብካ ዝካየዱ ዝነበሩ ምህለላታት ደው ንምባል ጻዕሪ ገይራ እያ፡፡

ገለ መንነቶም ዘይተፈለጡ ካልኦት ሰባት ድማ ውስጢ ንውሽጢ፤ ነዚ ብዝጻረር ዝተፈላለዩ ወረታት እናናፈሱ ንኣመንቲ የጋግዩ ነይሮም።

ኣብያተ ክርስትያን፡ ኣመንቲ ብሰብሞያ ንዝወሃብ ምኽሪ ተኸቲሎም ክንቀሳቐሱን ብዝተኽእለ መጠን ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ጸሎት ክገብሩን ብዕቱብ ክምህራ ተሰሚዐን እየን፡፡

ከምውጽኢቱ ድማ፡ በዓለ ስቕለትን ቅንያት ጾም ኣርበዓን፡ መንጽራዊ ጥንቃቐ ብዝተመለኦ መገድን ተኸቢሩ ሓሊፉ እዩ።

መልከፍቲ ይውስኽ፡ ጥንቃቐ ይንኪ

ኣብ ኢትዮጵያ እንተርኢና፡ ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ቁጽሪ መልከፍቲ እናወሰኸ መጺኡ እዩ። ብዝሒ በዚ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት'ውን ከምኡ።

ልዕሊ ኹሉ ድማ፡ ኣብቲ መጀመርያታት፡ እቶም በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙ ዝግለጹ ሰባት ካብ ወጻኢ ዝተመለሱ፡ ወይ'ውን ምስቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ዝነበሮም ምትንኻፍ ዝፍለጡ ሰባት እዮም ነይሮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን፡ ናብ ካልእ ሃገራት ዘይተጉዓዙ፡ ከምኡ ድማ ምስ'ቲ ቫይረስ ዝተለኸደ ሰብ ዝነበሮም ምትንኻፍ ዘይፍለጡ ሰባት እዮም በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ዘለዉ።

እዚ ማለት ድማ፡ ካብ መን ናብ መን ከምዝተሓላለፈ ዘይፍለጥ መልከፍትታት፡ ኣብ'ቲ ሕብረተሰብ ይዝርጋሕ ምህላዉ ከምዘርኢ እቲ በዓል ሞያ ወሲኹ ይዛረብ።

"እዚ ዝያዳ ጥንቃቐታት ክሕይል ዝግበኦ ድማ ኣብ'ዚ እዋን እዩ ነይሩ። እንተኾነ፡ መልከፍትታት እናወሰኸ ኣብ ዝመጸሉ፡ ሰባት ነቲ ብሰብሞያ ዝወሃብ ምኽርታት ዕሽሽ ኢሎም ከም'ቲ ንቡር መነባብርኦም ክደፍኡ ጀሚሮም ኣለዉ" ኢሉ።

ኣብያተ እምነት፡ ነቲ ኣንቢረንኦ ዝጸንሓ ጥቡቕ ክልከላታት ምስኣላሕለሐኦ፡ ሰባት ከምቲ ቀደሞም ክግልገሉ ይረኣይ ኣለዉ።

ኣይተ ኣጥናፉ ሃይለማርያም፡ በዓል ሞያ ጥዕና እዩ። "ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ እቲ ገደብ ምንቀቅስቓስ ምስ ፎኸሰ፡ ኣብ ቤተ እምነታትን ማይ ጸሎትን ዕሽሽ ምባል ኣሎ።" ኢሉ ንቢቢሲ።

ንኣብነት ድማ፡ ኣብ ኪዳነ ምህረት መቐለ፡ ኣዴኣታትን ህጻውንትን ተሓዋዊሶም ከምዝረአዩ ትዕዝብቱ ገሊጹ።

ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኢትዮጵያ፡ ማይ ጸሎታት ዳግም ተኸፊቶም ግልጋሎት ይህቡ ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ከተማ መቐለ'ውን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ተዓጽዮም ዝነበሩ ማይጸሎታት ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሮም አለዉ።

ኣብ መቐለ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትግርኛ ከምዝተዓዘቦ፡ ኣብ ገሊኦም ማይጸሎታት፡ ኣመንቲ ተጸቓቒጦም ብበዝሒ ተራ ሒዞም እዮም ዝጽበዩ።

መብዛሕተኦም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን እውን ኣይገብሩን፡፡ እዚ ድማ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ እንተተኸሲቱ፡ እቶም ማይጸሎታት ቀንዲ መተሓላለፍቲ ክኾኑ ዝኽእለሉ ዕድል ሰፊሕ እዩ፡፡

እቲ በዓል ሞያ "እንተተኻኢሉ ዘይምኻድ፡ ግድነ እንተኾይኑ ድማ ኣብተን ናይ እምነት ቦታት ውን ኣስተምህሮ ምሃቦ የድሊ" ይብል።

ኣብ ቤተክርስትያን ዝረኣይ ምትሕውዋስ'ውን ናብቲ ንቡር እዩ ዝምለስ ዘሎ፡፡ ኣብ እዋን በዓል፡ ሰባት ተጸቓቒጦም ናብ ቤተ ክርተትያን ክኣትዉን ክምለሱን ይረኣዩ።

እንታይ ክግበር አለዎ?

ልዕሊ ኹሉ፡ መራሕቲ ኣብያተ እምነት፡ እቲ ለበዳ ገና ይውስኽ ደኣ እዩ ዘሎ እምበር፡ ሓደግኡ ስለዘየብቀዐ፡ ኣመንቲ ጥንቃቐታት ከጉድሉ ዘይኮነስ ከሐይሉ ከምዘለዎም ክምህሩ ከምዝግባእ ሰብ ሞያ ይገልጹ።

ኣብ ውሽጢ ቤተ-እምነታቶም ዝወሃብ ኣገልግሎት፡ ነቲ ቫይረስ ብዘየቃልዕ መገዲ ክኸውን መምርሕታት ከውጽኡን፡ ነዚ መምርሕታት ከፈጽሙን ይግበኦም።

ካብ ቤተ እምነታት ብተወሳኺ፡ ነዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ዝቖመ ሓይሊ ዕማም፡ ኣብ ኣብያተ እምነትን ብፍላይ ድማ ኣብ ኣገልግሎት ማይጸሎት ንዘሎ ኹነታት ተኸታቲሉ ብቕልጡፍ ፍታሕ ከቐምጠሉን ክቆጻጸሮን ኣይተ ኣጥናፉ ይገልጽ።

ልዕሊ ኹሉ፡ ሓደጋ ኮሮናቫይረስ ገና ምዃኑን፡ ናብ ንቡር ምንቅስቓስና እንምለሰሉ ግዜ ዘይምዃኑን ምርዳእ የድሊ።

ስለ'ዚ ድማ፡ ኣድላዪ እንተዘይኮይኑ፡ ምንቅስቓስና ኩሉ ክንግድቦ ዝግባእ ሰብ ሞያ ይዛረቡ ይገልጹ። ካብ ገዛና ኣድላዪ ንዝኾነ ዕዮ ምስ እንወጽእ ድማ፡ ጥንቃቐታት ክፍለየና የብሉን- ይብሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከይገበርካ ካብ ገዛ ምውጻእ ከልኪሉ እዩ፡፡

እዚ ኣብ ኣብያተ እምነታት እውን ተፈጻሚ ክኸውን ከምዝግባእ እቲ በዓል ሞያ ጥዕና ይገልጽ።

ምስ ሃይማኖት ተዛሚዱ

ንኣብነት ኣመንቲ ክርስትና ኦሮቶዶክስ፡ ኣብ ኢድ ኣቕሽቲ ዝተሓዝ መስቀል፣ ኣብ ደጀ ሰላም ድማ፡ ኣብ ማዕጾን መንደቕን ቤተ መቕደስ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይሳለሙ እዮም።

እዚ ድማ ምስ ብዙሓት ሰባት ምትንኻፍ ዝፈጥር እዩ። ድሕሪ ምምጻእ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣቕሽቲ ብመስቀልን ብኢዶምን ምስላም ደው ከምዘበሉ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። እዚ፡ ሕዚ'ውን ንጥንቃቐ ክበሃል ክቕጽል ከምዘለዎ እቲ ግብረ ሓይሊ ኮሮናቫይረስ ይገልጽ ኣሎ።

ምክንያቱ፡ ሓደ ሰብ ብኣፉን ብግንባሩን ዝተሳለሞ ነገር፡ ካልእ ሰብ መጺኡ ክትንክፎ ከሎ፡ እቲ ቫይረስ ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎ ኣለዎ።

ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ጽፍሒ ሓጺን ክሳብ ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሑ ነገራት ድማ፡ ክሳብ ኣርባዕተ መዓልቲ ከምዝጸንሐ ሰብሞያ ጥዕና ይገልጹ፡፡

ስለዝኾነ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተክርስትያን ተሳሊሞም ጸሎቶም ዘብጽሑ ኣመንቲ፡ ብቐሊሉ ንቲ ለበዳ ክቃልዑ ይኽእሉ እዮም።

ሓደ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣማኒ "መንፈሳውን ስጋውን ድሕነት ንምርካብ ኢልና ኣብ ዝኸድናሉ፡ ሕማም ከይንሽምት የስግእ እዩ" ኢሉ።

ኮሮና