ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ኮሮናቫይረስ እንታይ ይመስል?

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉ ሰባት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።
ትማሊ፡ 129 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ብምርመራ ተረጋጊጹ።
በዚ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ዛጊት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ብዝሒ 1934 በጺሑ'ሎ።
ክሳብ ሕዚ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝነበሩን ዝሓወዩን ሰባት ድማ፡ 281 እዮም።
ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም ብጽኑዕ ዝሓምሙ ሰባት'ውን ቁጽሮም ወሲኹ ኣሎ።
ቅድም ክብል ኣብ ዝነበሩ መዓልታት፡ ብዝሒ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ዝነበሩ ሰባት ትሕቲ 10 እዩ ነይሩ።
ትማሊ ግን፡ ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት 27 ከምዝበጽሑ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ እዩ።
ኣብቲ ዕለት፡ ኢትዮጵያ ሓደ ተወሳኺ ሞት ከምዘጋጠማ'ውን እያ ገሊጻ። በዚ ድማ፡ ዛጊድ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ፡ 20 በጺሑ።
ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ 137 ሽሕ ምርመራታት እያ ኣካይዳ።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ብዝሒ ኮሮናቫይረስ ድማ፡ 68 በጺሑ'ሎ።
ኣብ ትግራይ፡ ብቀዳም 172 ምርመራታት ተገይሩ፡ 2 ሰባት በቲ ሕማም ምትሓዞም ከምዝተረጋገጸ ተገሊጹ'ሎ።
ኣብታ ክልል፡ ዛጊድ 3652 ምርመራታት እዩ ተኻይዱ።
ነቲ ምርመራታት ዘካይዱ ዘለዉ ድማ፡ ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይን ዩንቨርሲቲ ኣክሱምን እዮም።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
