ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኣርባምንጭ፡ ሓንቲ መርመራ ኮቪድ-19 ዝተገብረላ ሰብ ንነብሳ ኣጥፊኣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣርባምንጭ፡ ሓንቲ መርመራ ኮሮናቫይረስ ክግበረላ ምስ ተፈለየት ንነብሳ ዘጥፍአት ውልቀሰብ፡ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ኮይና ከም ዝተረኸበት ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ኣዛዚ ፖሊስ ኮማንደር ዳንኤል ኣረጋ ንሬድዮ ጀርመን ኣብ ዝሓቦ ሓበሬታ፡ እታ ወርቅነሽ ዲባባ ዝተባህለት ጓል 25 ዓመት መንእሰይ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ናይ ሰብነታ ዋዒ ተዓቂኑ ኣብ መወሸቢ ማእከል ክትጸንሕ ምስ ተገብረ'ያ ንነብሳ ቐቲላ ተረኺባ ኢሉ።
"ኣብ መእተዊ እታ ከተማ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ኣውቶብስ ዝነበሩ 39 ተጉዓዝቲ ተፈቲሾም፡ ዋዒ ሰብነቶም ይዕቀን። ናይታ መዋቲት መጠን ካብ ካልኦት ሓፍ ኢሉ ስለ ዝነበረ ድማ፡ መርመራ ንክግበረላ ክትጸንሕ ተገይሩ" ይብል።
ድሕሪኡ፡ ናይ ደም መርመራ ተገይሩላ ካብቲ ቫይረስ ናጻ እንድሕር ኮይና ክትኸይድ ከም እትኽእለ፡ እንተዘይኮይኑ ድማ ኣብቲ ከባቢ ሕክምና ክትረክብ ከም ዝግበር ተነጊሩዋ፡ ናብ መወሸቢ ማእከል ከም ዝተወሰደት እቲ ፖሊስ ገሊጹ።
ኣተሓባባሪ መምርሒ ጥዕና እቶም ማእከላት ዞባ ጋሞ ኣቶ በርገና ማሞ፡ ወርቅነሽ ካብ ካልኦት ተጓዓዝቲ ተፈልያ ክትተርፍ ከላ ሕጉስቲ ከም ዘይነበረት ተዛሪቡ።
"መጀመርታ፡ ኣብ ዩኒቨርሰቲ ኣርባምንጭ ኣብ ዝተዳለወ መወሸቢ ማእከል ኣብ ዝተዋህባ ክፍሊ ብሰላም ከም ዝነበረት እምነት ኣለና። ኣብቲ ካልኣይ መዓልቲ ግን ሰብ ሞያ ሕክምና ሓደ ሰብ ከም ዝጎደለ ሪፖርት ገይሮም። ፖሊስ ድማ ኣብቲ ዝዓረፈትሉ ክፍሊ ንነብሳ ከም ዝቐተለት ኣረጋጊጹልና ኣሎ። እዚ ዘሕዝን ግን ወርቅነሽ ካብቲ ቫይረስ ነጻ ከም ዝነበረት ውጸዕኢት መርመራ የረድእ" ኢሉ።
ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ኢትዮጵያ 14 ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ክሞቱ ከለው፡ ብዝሒ ዝሓመሙ ድማ 1344 በጺሑ ኣሎ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
