ኤርትራ ኣብዚ ናይ ኮቪድ እዋን መበል 29 በዓል ናጽነታ ጸምቢላ

ምንጪ ስእሊ, MOI
ኣብዚ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ዝነጽግ ፈታኒ ናይ ኮቪድ እዋን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመምርሒ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮቪድ ብምኽባር፡ ንምክት - ንስጉም ብዝብል ቴማ መበል 29 ዓመት በዓል ናጽነቱ የኽብር ኣሎ።
ነቲ በዓል ዘድምቕ ዝተፈላለየ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ካብ ኣደራሽ ሲነማ ሮማ፡ ብድምጺ ሓፋሽን ተሌቪዥን ኤርትራን ብቐጥታ ተመሓላሊፉ።
ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኣቦ መንበር ህዝባዊ በዓላት ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ እዋኑ ብዘፍቅዶ ነቲ ዓቢ ሃገራዊ ዝኽሪ ይበቅዕ'ዩ ዝበሉዎ ስነ-ጥበባዊ ምስንዳእ ንዘካየዱ ሞያውያን ብምምስጋን ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ቃል - በዓል ናጽነት ከስምዕ ጸዊዑ።
ፕረዚድንት ኢሳያስ ብቪድዮ ኣብ ዘማሓላለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዮሃና ድሕሪ ምባል "ምስናይ እቲ ዘንጸላሉ ዘሎ ለበዳ ኮሮና ንትእምርትን ድምቀትን ናይቲ በዓል ተበላሒቶም መሰናድኦታት ንዝወደቡን ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኩሎም" ምስጋና ኣቕሪቡ።
ንኣከራኻርነት ኣመጻጽኣ ለበዳ ኮሮና ንጎድኒ ገዲፍካ፡ እዚ ኣብ ታሪኽ ሰባት መዳርግቲ ዘይርከቦ ኣብ 21 ክፍለ ዘበን ስነፍልጠት በሪኽ ቦታ ኣብ ዝሓዘሉ መዋእል ዝተራእየ ዘጒሂ ህልቂት ሰባት ዘኸተለ ሓደጋ ናይ ተበራበር ጻውዒት ብምዃኑ ከም መለበሚ ዕድል ወሲድካ፡ ሃገራዊ ፍልጠትን መረደእታን እናዕሞቕካ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ንመጻኢ ሃገራዊ ኣካይዳን መርሓን ዘማዕዱ ጎደና ምምዕርራይ ኣገዳሲን እዋኑን ምዃኑ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እቲ ሕማም ኣብ መላእ ዓለም ምስተላብዐ፡ ኤርትራ፡ ድሩትነት ዓቕማ ተገንዚባ ምሉእ ዕጽዋ ብምእዋጅ፡ "ምርጋጥ ብምሕያል" ንዝርገሐ እቲ ለበዳ ክትገትኦ ከምዝፈተነት ብምሕባር፡ እቲ ስራሕ ኣፈናዊ ውጽኢት ከምእተረኽቦ ድሕሪ ምሕባር፡ ንሓዋሩ ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘሐይል ዝበሎ ሸሞንተ ነጥብታት ዘርዚሩ።
1.ናይ ምክልኻል ብቕዓት ዘሔይል ጻዕሪ ክካየድ
2. ፈለማ ብቕምሶ፡ ዳሕራይ ሓፈሻዊ መርመራ ብምክያድን ብቐጻሊ ብምክትታልን ጥዕና ህዝቢ ምክትታል
3.ካብ ግዳምን ውሽጥን ዝግበር ምንቅስቓስ ሰባት ኣጥቢቕካ ምቁጽጻር
4. ዓይነታዊ ምምሕያሽን ዕቤትን ናይ ምርምር (ላቦራቶሪ) ትካላት ክብ ምባል
5.ውዳበን ዝርገሐን ዕጥቅን ኣካላት ኣገልግሎት ጥዕና ምሕያል
6.ብቑዕን ዘድምዕን ሞያዊ ጸጋ ሰብ ምምዕባል
7.መድሃኒትን ጥዕናዊ መሳርሕን መሳለጢያታትን ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ምምዕባል
8.ምስ ዝተፈላለየ ናይ ወጻኢ ትካላትን ክእለታትን ሞያዊ ምትሕግጋዝ ምዕባይ ዘጠቓልል ነጥብታት ኣስሚሩሉ።
ፕረዚደንት ንሓይሊ ዕማም ጥዕና ንስለ እቲ ዝፈጸሞ ዕዮ ብምምስጋን ንዝኸበደ ቀጻሊ መኸተ ኣሳልጦ ተመንዩሉ።
ለበዳ ኮሮናን ኣንበጣን ምስ ናይ ካልኦት ለበዳታት መኸተ ልምዓት ፈሊኻ ዝረአ ዘይምዃኑ ብምትሕስሳብ ምስ መጠን ናይቲ ብደሆ ዓጸፋ ክስራሕን ክዕየን ከምዘለዎ ከኣ ኣዘኻኺሩ። ዓጸፋ መኸተን ዓጸፋ ስጉምትን ከምዘድሊ'ውን ኣተሓሳሲቡ።
ዞባውን ዓለማውን ጽልዋታት ኣገዳሲ ብምዃኑ ቅድሚ ክልተ ዓመት ምስ ጎረባብቲ ዝጀመረ ሽርክነት ብዝያዳ ክስረሓሉ ምዃኑ እውን ሓቢሩ።
ሓይልታት ምክልኻልን ፖሊስን ኣብ ምክልኻል ኮሮናን ኣንበጣን መኸተ ልምዓትን ዘካየዱዎ ጻዕሪ ብምምስጋን ንኩሉ ዓይነት መኸተ ንቕሓትን ተወፋይነትን ከምዘድልዮ ኣዘኻኺሩ።
ዝተፈላለዩ ድምጻውያንን ገጠምትን ተለሃይትን ንዝኽሪ በዓል ናጽነት 29 ብድምቀት ጸንቢሎምዎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
