ኮሮናቫይረስ፡ ኣውሮጳ ዕጽዋ ተላሕለሐሎም ዘላ ሓሙሽተ መገዲታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣውሮጳ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ዕጽዋ፡ ምልሕላሕ ቀጺላ ኣላ። ዜጋታታ ድማ ናፊቖምዋ ዝጸንሑ ብነጻነት ምንቅስቓስ ከጠዓዕሙ ጀሚሮም ኣለዉ።
ምልሕላሕ እቲ ዕጽዋ ከከም ሃገራት ዝተፈላለየ ኮይኑ፡ እዞም ቀጺሎም ዘለዉ ገሊኦም እዮም፡፡
1. ቼካውያን ቢራ ክሰትዩ ተፈቒዱሎም ኣሎ
ብዙሕ ቢራ ብምስታይ ኣብ ዓለም ዝፍለጡ ዜጋታት ዘለዉዋ ቼክ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብምግባር ተረሓሒቖም ኣብ ባራት ክሰትዩ ፈቒዳትሎም ኣላ፡፡
ብንጽጽር ብኮሮናቫረስ ብዙሕ ዘይተሃሰየት ኣውሮጳዊት ሃገር ቼክ፡ ህዝቢ ኣብ ዝበዝሓሉ ከባቢ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ግቡእ ዝገበረት ፈላመይቲ ሃገር እያ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
2. ስፔናውያን ቤተ መዘክራት ክርእዩ ይኽእሉ
ካብቶም ኣብ ኣውሮጳ ዝሓየለ ዕጽዋ ዝገበራ ሃገራት ሓንቲ ዝነበረት ስፔን፡ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዝርከቡ ቤተ መዘክራት፥ መዘናግዕን ማእከላት ባህልን ክኽፈቱ እዮም፡፡
እንተኾነ ክተኣናገዱ ኣብ ዝኽእሉ ቁጽሪ ሰባት ግን ጥቡቕ ቁጽጽር ክግበር እዩ፡፡
ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣብ ዝህልዉ መደባት ሲሶ እቲ ክሕዝዎ ዝኽእሉ ቁጽሪ ከተኣናግዱ ዝተፈቐደ እንትኸውነ፡ ኣብ ደገ ኣብ ዝካየዱ ምድላዋት ድማ ልዕሊ 200 ሰባት ክሳተፉ ኣይፍቀድን።
ስፔን ጀሚራቶ ዘላ ምልሕላሕ ዕጽዋ ኣርባዕተ ደረጃታት ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ደረጃ ንኣስታት ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ዘጠቓልል እዩ።
ኣብ ማድሪድን ባርሴሎናን ዝርከቡ ባራት ብፍርቂ ዓቕምም ክሰርሑ ተፈቒዱሎም ኣሎ።
ቅድም ክብል ስፔናውያን ኣብ ከባቢኦም ንኣካላዊ ምንቅስቓስ ጥራሕ ክወጹ እዩ ዝፍቀደሎም ነይሩ፡፡
3. ጥልያናውያን ናብ መሐምበሲ ቦታታት ክኸዱ ይኽእሉ
ጥልያን፡ ማእከላት ስፖርትን መሐምበሲታትን፡ ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ቁጽጽር ጽርየትን ኣካላዊ ምርሕሓቕን ኮይነን ክሰርሓ ፈቒዳ ኣላ፡፡
ኣብ ሎምባርዲ፣ ባሲሊካታን ቦሎኛን ግን ክሳብ መወዳእታ እዚ ወርሒ እገዳታት ክቕጽል እዩ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Reuters
4. ግሪካውያን ደሴታት ክርእዩ ተፈቒዱሎም ኣሎ
ግሪክ፡ ደሴታት ክርእዩ ንዝደልዩ ዜጋታታ መብዛሕተአን ክፉት ገይራ ኣላ፡፡
ምልሕላሕ እቲ ዕጽዋ ነቲ ዝተዳኸመ ቁጠባ ግሪክ ክሕግዝ ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ፡፡
እታ ሃገር ካብ መፋርቕ ሰነ ንወጻእተኛታት ንዑደተኛታት በራ ከምእተኽፈት እውን ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ እዩ፡፡
ስፔን ብተመሳሳሊ ካብ ወርሒ ሓምለ፡ ጥልያን ድማ ካብ ሰነ 3 ጀሚረን በረን ንወጻእተኛታት ክፉት ክገብራ እየን።
5. ፖላንዳውያን ተምሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ይኽእሉ
ፖላንድ ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ቆልዑ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ፈቒዳ ኣላ።
እንተኾነ ገለ ቤተሰብ ነቲ ክዛዘም ቁሩብ ተሪፍዎ ዘሎ ዘበነ ትምህርቲ እታ ሃገር ኢሎም ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ከምዘይሰዱ ይገልጹ፡፡
ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲታትን ብኽፋል ይኽፈታ ዘለዋ ኮይነን፡ ብውሑድ ሰብን ኣብ ምፍንታት ተመስሪተን እየን ከምህራ፡፡







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
