ኣብ ኒውዮርክ መዓልታዊ ሞት ብኮሮናቫይረስ ካብ 1 ሽሕ ናብ ትሕቲ 100 ወሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ወርሒ መጋቢት ኣብ ግዝኣት ኒውዮርክ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዘጋጥም መዓልታዊ ሞት ንመጀመርታ ግዜ ትሕቲ 100 ወሪዱ።
ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ ኒውዮርክ 84 ሰባት ጥራሕ ከምዝሞቱ ኣማሓዳሪ እታ ግዝኣት ኣንድሪዉ ኩይሞ ተዛሪቡ።
ትማሊ፡ 109 ሰባት እዮም ሞይቶም ነይሮም።
ኣብታ ግዝኣት፡ ዝርገሐ እቲ ለበዳ ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ዝበጽሐሉ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እዩ ነይሩ።
ኣብዛ በቲ ለበዳ ሕሱም ዝተጠቕዐት ግዝኣት ኣመሪካ፡ ኣብቲ እዋን መዓልታዊ ሓደ ሽሕ ሰባት ይሞቱ ከምዝነበሩ መረዳእታ ይሕብር።
"ኣብ ውሽጠይ፡ መኣዝ እዩ እዚ ቁጽሪ መወትቲ ትሕቲ 100 ኮይኑ ዝርይኦ ኢለ ይጭነቕ ነይረ" ኢሉ ኣመሓዳሪ ኩይሞ።
ወሲኩ ድማ፡ "ርግጽ፡ እዚ ነቶም ኣብዚ መዓልቲ 84 ፈተውቶምን ስድረኦምን ዝሰኣኑ ሓዘን ይስመዖም ይህሉ፡ እንተኾነ እቲ ቁጽሪ መወትቲ ናብዚ ምንቁልቋሉ ዘሕጉስ እዩ" ኢሉ።
እቲ ገዛኢ፡ ንዝኾነ ሕጋዊ ዋኒን፡ ሰባት ክሳብ 10 ኾይኖም ክራኸቡን ክእከቡን ከምዝኽእሉ'ውን ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኒውዮርክ፡ ኣብ ኣመሪካ እቲ ለበዳ ቀንዲ ዝተላበዐላ ግዝኣት እያ ነይራ።
መረዳእታ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ ከምዝሓበሮ፡ ዛጊድ ኣብታ ግዝኣት ልዕሊ 28 ሽሕ ሞት ተመዝጊቡ።
ኣብ ኣመሪካ ብሐፈሻ 96 ሽሕ ሰባት ዝሞቱ ኾይኖም፡ ኮቪድ 19 ብዘሰዓቦ ብዝሒ ሞት ቀዳመይቲ እያ።
ኣብ ካልኣይ ብርኪ እትስራዕ እንግሊዝ፡ በቲ ለበዳ ናይ 36 ሽሕ ሰባት ህይወት ስኢና።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
