'ምንጪ ኮሮናቫይረስ' ንክጻረ ልዕሊ 100 ሃገራት ደጊፈን

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ወከልቲ 194 ኣባል ሃገራት ውድብ ጥዕና ዓለም ብቴሌኮንፈረንስ ዓመታዊ ኣኼብኦም ከካይዱ እዮም።
በብዓመቱ፡ ኣፈጻጽማ ስራሕቲ ጥዕና እዚ ኤጀንሲ ገምጊሞም ናይቲ ዝቕጽል ዓመት ገዛእቲ መደባት እዮም ዘቐምጡ ነይሮም።
ሎሚ ግን፡ ቀንዲ ዛዕባ ዘተ እቲ ጉባኤ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኮይኑ፡ እዚ ቫይረስ ብኸመይ ልዕሊ 4.5 ሚሊዮን ህዝቢ ክለክፍ ክኢሉ፣ ስለ ምንታይከ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ሞይቶም ዝብሉ ሕቶታት ገዛእቲ ርእሰ ጉዳያት እቲ ኣኼባ ክኾኑ እዮም።
እዚ ዓለማዊ ለበዳ ከመይ ተኣልዩ? እንታይ ዝውሰድ ተሞኩሮ ኣሎ? ዝብሉ ሕብረት ኤውሮጳ ክመርሖ እዩ።
ወሃቢት ቃል እቲ ሕብረት ቨርጂኔ ባቱ-ሄሪክሰን ክምለሱ ዝግብኦም ሕቶታት ብዙሓት'ዮም ኢላ።
"ንቕድሚት ክንኸይድን ካልእ ለበዳ ክነወግድን እንተኾይንና፡ እዚ ለበዳ ከመይ ተጋፊሑ? ብድሕሪ እቲ ለበዳ ዘሎ ነገር እንታይ እዩ? ዝብሉ ጥርጣረታት ክምለሱ ኣለዎም" ኢላ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብዚ ኣኼባ ብዙሕ ጸቕጢ ከም ዝበጽሖ ይእመን።
ወሃቢት ቃል እቲ ውድብ ዶክተር ማርጋሬት ሃሪስ "ኩል ግዜ እዚ ጉባኤ ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ብዙሕ ቁጽጽር ዝካየደሉ እዩ"ኢላ።
በዚ ምኽንያት ግን እቲ ውድብ ንኹሎም ዝመርሖም ስራሕቲ ምላሽ ኣብ ምሃብ፣ ነዚ ለበዳ ዝወሃብ ሳይንሳዊ ምላሽን ኣብ ምምራሕ ኣተኩርኡ "ክንኪ" ይኽእል እዩ ኢላ።
ጂኦ-ፖለቲካዊ ቅራነ
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ረብሓ ኩለን ኣባላቱ ብማዕረ ክሕሉ ትጽቢት ይግበረሉ። ኣብዚ ሰዓት ግን ብፖለቲካ ኣሜሪካን ቻይናን ኣብ ሞንጎ ተቐርቂሩ ኣሎ።
ዝሓለፈ ወርሒ፡ እቲ ትካል ኣብ ቻይና ዘሎ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሸፋፊኑ እዩ ብዝብል ክሲ እታ ዝለዓለት መዋሊት እቲ ትካል ዝኾነት ኣሜሪካ እትህቦ ዝነበረት በጀት ደው ከም ዘብሎ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ገሊጹ ነይሩ።
ይኹን'ምበር ከም ትካል፡ ሓበሬታ ካብ ምሃብን ምሕጋዝን ወጻእ ንዝኾነት ሃገር ከገድድ ስልጣን የብሉን።
እዚ ሎሚ መዓልቲ ዝካየድ ጉባኤ ግን እቲ ትካል ኣብቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተበገሰሉ ሃገር ኣትዩ ዘይሻራዊ ምጽራይን መርመራን ንከካይድ ዘኽእሎ ስልጣን ዝህብ ክኸውን እዩ ይብሃል።
ክኢላ ጥዕና ሕብረተሰብ ዩኒቨርሲቲ ኢድንበርግ ፕሮፌሰር ዴቪ ሰርዲሃር "እቲ ዓብዪ ብድሆ እዚ ለበዳ ዝኾነት ሃገር ኣለኒ ክትብል ዘይምድላያ እዩ። ኩለን ሃገራት መልከፍቲ ከም ዘለወን ክኣምና ኣይደልያን፤ ቑጽሪ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ሞት ድማ የትሕትኦ ኣለዋ" ኢሉ።
ዝኾነት ሃገር ግን ብዛዕባ ዘጋጠማ ሕማም ነቲ ውድብ ከተፍልጥ ትግደድ እያ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብዚ እዋን ውድብ ጥዕና ዓለም ጸለመ ክቐርበሉ ዘይኽእል ዓለምለኻዊ መጻረዪ ልኡኽ ናብቲ እዚ ዓለማዊ ለበዳ ዝተበገሰሉ ከባቢ ክልእኽ ብዙሓት ይጠልባ።
እዚ ብጠለብ ኣውስትራሊያ 100 ሃገራት ተቐቢለንኦ ዘለዋ መርመራ ድማ፡ ንቻይና ዘግለለ ከም ዝኾነ ይግመት።
ቅድም ኢሉ ኣውስትራሊያ ምንጪ እዚ ቫይረስ ይጻረ ዝብል ሓሳብ ከተቕርብ እንከላ፡ ቻይና እዚ "ፖለቲካዊ ኣካይዳ እዩ" ክትብል ተቓዊማቶ ነይራ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
