እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ንኣዋጅ ዕጽዋ ዝጠሓሱ ሆቴላት ፈሪሶም
Published
ናይጀርያ ንኣዋጅ ዕጽዋ (እገዳ ምንቅስቓስ) ዝጠሓሱ ሆቴላት ኣፍሪሳ።
ሰብ መዚ ናይጀርያ ምልባዕ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ንዝተነበረ ድንጋገ ዕጽዋ ዝጠሓሱ ክልተ ሆቴላት ኣዕንዮም።
ኣመሓዳሪ ግዝኣት 'ኖርዝርን ሪቨርስ' ኒይሶም ዋይክ፡ ክልቲኦም ሆቴላት ብሰንበት ከም ዝፈረሱ ኣፍሊጡ።
ሓለፍቲ ክልቲኦም ሆቴላት ኣብ ቀይዲ ከውዕሉ እንከለዉ፡ ሓዉ ነቲ ሓላፊ ናይቲ ፕሮደስተ ሆምስ ዝተበሃለ ሆቴል ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ እቲ ሆቴል ንሕግታት ዕጽዋ ኣኽቢሩ ይሰርሕ ምንባሩ ገሊጹ።
እቶም ሆቴላት ብምፍራሶም ንዝቐረቡ ነቐፌታታት ዘይተቐበለ ኣመሓዳሪ ኒይሶም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሆቴላት እታ ግዝኣት ኮሮናቫይረስ ዝሓዞም ሰባት ከምዝተረኸቡ ኣዘኻኺሩ።
"መጠን እቲ ዘጋጥም ዘሎ ረኽሲ ተዓዘቡ፤ እቶም ዝበዝሑ ሰባት ድማ ኣብ ሆቴላት'ዮም ዝርከቡ" ኢሉ።
እቶም ዝፈረሱ ክልተ ሆቴላት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦምዎም'ዶ ኣብ ዝብል ግን ሓበሬታ ኣይሃበን።
ኣብታ ግዝኣት 21 ሰባት በቲ ቫይረስ ክትሓዙ ከለዉ፡ ክልተ ሰባት ሞይቶም'ዮም።