ስዑዲ ዓረብ፡ ካብ መሸጣ ኣቕሑት ዝኽፈል ተወሳኺ ግብሪ ብሰለስተ ዕጽፊ ኣዕቢያቶ

መተዓዳደጊ ገንዘብ ስዑዲ ዓረብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ስዑዲ ዓረብ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝተሃሰየ ቑጠብኣ ንምሕጋዝ ካብ ኣቅሑትን ኣገልግሎትን ዝክፈል ቐረጽ ሰለስተ ዕጽፊ ወሰኽ ከም እትገብር ኣፍሊጣ።

መንግስቲ፡ እታ ሃገር ብተወሳኺ ንዜጋታት ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ድጎማ ገንዘብ ደው ከም ዘብል ኣፍሊጡ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስዒቡ ብዝመጽአ ቅልውላው ዋጋ ነዳዲ ምንካይ ስለ ዘርኣየ፡ ካብቲ ዓውዲ ትረኽቦ ዝነበረት እቶት ብዝለዓለ መጠን ነክዩ።

ዕቑር ሃብቲ ነዳዲ ዘለዋ ስዑዲ ዓረብ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ቑጠብኣ ኣብ ነዳዲ ጥራሕ ዝተሞርኮዘ ንከይኸውን ብዝብል ኣብ ኣቑሑን ኣገልግሎትን ዝኽፈል ግብሪ ኣተኣታቲያ።

ማዕከን ዜና እታ ሃገር ከም ዝጸብጸቦ፡ እዚ ተወሳኺ ቐረጽ [ቫት] ካብ ዝቕጽል ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ካብ 5 ሚኢታዊት ናብ 15 ሚኢታዊት ሓፍ ክብል እዩ።

ካብ 2018 ጀሚሩ ናብራ ሓደ ሰራሕኛ ንምሕጋዝ ብዝብል ወርሓዊ ዝወሃብ ዝነበረ 267 ዶላር ደማ ጠጠው ክብል እዩ።

"እዞም ስጉምታት ከበድቲ ግን ድማ ምስቲ ዘለናሉ ኩነታት ኣገደስቲ እዮም። ቑጠባውን ፋይናንሳውን ድሕነት እዛ ሃገር ንምውሓስ ዝተወስዱ ስጉምታት እዮም" ኢሉ ሚኒስትር ገንዘብ መሓመድ ኣል ጃዳን።

ስዑዲ ዓረብ ካብቲ ኣታዊ እትገብሮ እተውጽኦ ገንዘብ ስለ ዝዛየደ መንግስቲ ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ ናይ 9 ቢሊዮን ዶላር ምጉዳል በጀት ኣጋጢሙዎ እዩ።

ኣብ ውሽጢ እዘን ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ነዳዲ ትረኽቦ ዝነበረት መኽሰብ ብ22 ሚኢታዊት ከም ዝነከየን፡ 34ቢሊዮን ዶላር ጥራሕ ከም ዝረኸበትን ይግለጽ።

ኮሮና
ኮሮና