ኮሮናቫይረስ፡ ናጻ ወጺኡ ግን ናብ ገዝኡ ክምለስ ዘይኽኣለ እሱር

ህንዲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራት ፈቲሓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንከይላባዕ፡ 20 ሽሕ እሱራት ተፈቲሖም
Published

ኣሪፍ [ሽሙ ዝተቐየረ] ኣብ ምዕራብ ህንዲ ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ብ31 ሚያዚያ ምስ ተፈትሐ ናብ ገዝኡ ኣይተመልሰን።

ኣብታ ዝተፈትሐላ ዕለት፡ ሰለስተ ግዜ ናብ ክልተ ከተማታት ተወሲዱ፤ ካብታ ዝነብረላ ከተማ መሓዝኡ ናብ ዝርከበሉ ከባቢ። ድሓር መንበሪ ገዛ ዘይብሎም ሰባት ናብ ዝርከብሉ መዕቆቢ ቦታ ኣትዩ።

ናብ ገዝኡ ንክኸይድ ከምልጥ ፈቲኑ ኣይሰመረሉን፤ ሕጂ ኣብ ናይ መሓዝኡ ገዛ ክውሸብ ተወሲኑዎ።

እዚ ዛንታ፡ ህንዲ ዝርግሐ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ወሲዳቶ ኣብ ዘላ ኣዋጅ ዕጽዋ ኣብ ልዕሊ እሱራት ዘጋጥም ዘሎ ስምባደን ተነጽሎን ዝነግር ዛንታ እዩ።

እዚ ታክሲ ዘዊሩ ዝናበር ዝነበረ ወዲ 32 ዓመት መንእሰይ፡ ቴሌፎን ሰሪቑ ብዝብል ክሲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ምብራቕ ህንዲ ማሃራሽታራ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ እዩ ተኣሲሩ ጸኒሑ።

198 ዶላር ከፊሉ ብዋሕስ ክወጽእ ምኸኣለ ነይሩ፤ ግን ድማ ስድርኡ እዚ ዝኣክል ገንዘብ ክረኽቡ ስለ ዘይክኣሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሕልፎ ተገዲዱ።

ንሱ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንከይጋፋሕ ብዝብል ክፍትሑ ዝተወሰነሎም 22 እሱራት እዩ።

ዳግም ሓድሽ ህይወት ንምምስራት ብዝሕግዙዎ ዘለው ኤጀንሲታት ኣቢሉ ድማ ዛንትኡ ንቢቢሲ ኣካፊሉዎ ኣሎ።

ኣብ ህንዲ ኣብ ዘለዋ 1339 ኣብያተ ማእሰርቲ፡ 450 ሽሕ እሱራት ኣለው። 69 ሚእታዊት እዞም ተሃነጽቲ መስርሕ ፍርዶም ክጅመር ዝጽበዩ ዘለው እዮም።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ህንዲ፡ ምትሕልላፍ ኮቪድ-19 ብምስጋእ፡ ካብ ሸውዓተ ዓመት ወይ ትሕቲኡ ዝተፈርዶም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ እሱራት ክፍትሑ እንትውስን፤ እቶም ገና ዘይተፈርዶም'ውን ክካተቱ ገይሩ።

ኣሪፍ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝወጽአላ መዓልቲ ግን፡ ክቕበሎ ዝመጽአ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን።

ቤት ማእሰርቲ ህንዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ህንዲ ኣብ ዝርከባ ኣስታት 1400 ኣብያተ ማእሰርቲ ክሳብ 450,000 እሱራት ይርከቡ

ካብቲ ቤት ማእሰርቲ 150 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ማሃድ ዝተባህለት ብጎቦታት ዝተኸበበት ከተማ እዩ ዝነብር።

ወላዲ ኣቡኡ ሞይቱ'ዩ። በዓልቲ ቤቱ'ውን ውሉፍ ኣልኮሆል እናኾነ ብምምጽኡ ዝሓለፈ ዓመት ገዲፋቶ ከይዳ።

እቲ ኣብ ናይ ውልቂ ትካል ናይ ጽርየት ስራሕ ጉዱእ ኣካል ሓው'ውን ንመጓዓዝያ ዝኸውን ገንዘብ ከፊሉ ክንቀሳቐስ ስለ ዘይኽእል፤ ኣብቲ ዝሰርሐሉ ቦታ ተዓጽዩ እዩ ዝርከብ።

ብዕድመ ትደፍእ ዘላ ጥዕና ዘይብላ ኣዲኡ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ገዛ ክራይ ብዘይምኽፋላ ኣብ ሓደ ክፍሊ ገዛ ተዓጽያ ብጎረባብቲ ትቕለብ ኣላ።

ስለዚ እዚ ጥር እትብል ገንዘብ ዘይብሉ ድኳ ኣሪፍ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ናብ ገዝኡ ንክኸይድ ብእግሩ ጉዕዞ ጀሚሩ፤ ኣብ ሞንጎ ቁሩብ ድፍእ ዘብሎ መኪና ሓቲቱ ብናይ ጽዕነት መኪና መገዱ ቐጺሉ።

ኣብ ገዝኡ ምስ በጽሐ ግን ጎረባብቱ ዓሚጾም፤ ብዝመጻእኻያ ተመሊስካ ኪደልና ኢሎምዎ።

"ካብ ሙምባይ እዩ መጺኡ፤ ክኣቱ ኣይንፈቕደሉን' ኢላቶም።

ሙምባይ፡ ማእከል ለበዳ ኮቪድ-19 ህንዲ ኮይና፡ ልዕሊ 13 ሽሕን 500ን በቲ ቫይረስ ዝተትሐዙ ሰባት ከም ዘለውዋ ይንገር፤ ዛጊድ ድማ 500 ሰባት ሞይቶም።

ዕድል ዘይብሉ ኣሪፍ ተመሊሱ። ቴሌፎን ንኣዲኡ ዝኸውን 400 ሪፒን ድማ ተለቂሑ። 200 ሪፒ ከፊሉ ናብ ሙምባይ ተመሊሱ፡ መዕረፊ ክህበካ እየ ኣብ ዝበሎ ናይ መሓዝኡ ገዛ ተወሺቡ።

ድሕሪኡ፡ ሓደ ጎረቤት ናብ ፖሊስ ስልኪ ደዊሉ ፖሊስ መጺኡ ንኣሪፍ ካብቲ ገዛ ጎቲቱ ኣውጺኡዎ።

ሓደ ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ግልጋሎት፡ "ሕጂ ኣብ ጎደናታት ሙምባይ'ዩ ዝርከብ። ኣዲኡ ደዊላ ወዳ ህጹጽ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ሓቢራትኒ" ይብል።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዚያ፡ ኣሪፍ ካብ ጎደናታት ሙምባይ ኣልዒሎም ገዛ ዘይብሎም ዘኻትም ናብ ዝዕቆቡሉ ማእከል ኣእቲዮምዎ።

ንልዕሊ ሰለስተ ሳምታት ድማ ኣብቲ ማእከል ጸኒሑ። 30 ሚያዚያ ምሸት ካብቲ መዕቖቢ ማእክል ሃዲሙ ወጺኡ ናብ ገዝኡ ጉዕዞ ጀሚሩ።

ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ህንዲ፡ ነቶም ዝፈትሑዎም እሱራት ዘጎዓዕዛ መካይን የዳልው ኣለው

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ህንዲ፡ ነቶም ዝፈትሑዎም እሱራት ዘጎዓዕዛ መካይን የዳልው ኣለው

ቅድሚ ካብቲ ማእከል ምውጽኡ፡ ነቶም ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ግልጋሎት "ኩሉ ሰብ ናብ ገዝኡ እንድዩ ዝኸይድ ዘሎ፤ ኣነ'ውን ናብ ገዛይ ክኸይድ እየ ዝደሊ። ቁሩብ ገንዘብ ሂብኩም ናብ ገዛይ ኣፋኑውኒ። ኣደይ ትደልየኒ ኣላ" ኢሉ ሓቲቱዎም ነይሩ።

ግን ሕጂ'ውን እቶም በዚ ሕማም ሰንቢዶም ዘለው ጎረባብቱ ናብ ገዝኡ ክኣቱ ኣየፍቀድሉን።

ዝሓለፈ ሰሙን፤ ካብ መጠን ንላዕሊ ሰትዩ ሰኺሩ እንከሎ ናብቲ ኣዲኡ ዘላቶ ገዛ ይኸይድ። ከይኣተወ ከሎ ዓረብያ ይረክብ እሞ ነታ ዓረብያ ይሰባብራ።

ሕጂ ስድራ ኣሪፍ ብዕዳ ስለ ዝተትሓዙ ነዛ ዓረቢያ ንምትካእ 4 ሽሕ ሩፒ ክእክቡ ይጽዕሩ ኣለው። ኣሪፍ ድማ ኣብቲ ናይ መሓዝዝኡ ገዛ ተመሊሱ ተወሺቡ፤ ግን ድማ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሰታይ ይኸውን ኣሎ።

ኣብ እዋን ዕጽዋት እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽኡ ምግባር ቀሊል ኣይኮነን። መብዛሕትኦም ካብቲ ሕብረሰተብ ተነጽሎ ይበጽሖም ስለ ዘሎ ናብ ገዝኦም ክምለሱ ኣይክኣሉን።

ኣሪፍ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝወጽኣሉ ዕለት፡ ኣደ ክልተ ቖልዑ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ'ውን ኣብ ሙምባይ ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሓ ነይራ።

ምስ ኻልአይታ ኣብ ሓደ ሻውል ክትነብር መጽለሊ ይወሃባ። ክልቲኤን ካብ ቤት ማእሰርቲ ክሳዕ ዝፍትሓ ቅድሚኡ ሌላ ኣይነበረንን።

ነቶም ዝፍትሑ ዘለው ተሃነጽቲ ሕጊ መዕቆቢ ዘዳልው ዘለው ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ዕዮ፡ ክሳብ ሕጂ 24 ሰባት ምሕጋዝ ክኢሎም ኣለው።

ኣብ ውሽጢ እቶም ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ጭንቀትን ተነጽሎን ይበዝሕ ኣሎ። ብዙሓት ኣውጽኡና ኢሎም ዓሚጾም እዮም።

ብመጋቢት ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ኮልካታ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ እሱራት ዓሚጾም ሓደ ሰብ ሞይቱ ካልኦት 28 ቖሲሎም።

እቲ ቀንዲ ምኽንያት ስድራቤቶም ክርእዩዎም ዘይምኽኣሎም እዩ።

"ዘላቶም ተስፋ ቤተሰቦም ክሓቱዎም ክመጽኡ ምርኣይ እያ። እሱራት ምስ ስድራቤቶም ከይራኸቡ ምግባር ስምዒቶም ጎዳኢ እዩ" ይብል ማድሁሪማ ድሃኑካ ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት።

ቤት ማእሰርቲ ኣርቱር ሮድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሙምባይ ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ 70 ዝኾኑ እሱራት ብኮቪድ-19 ተታሒዞም

ኣብ ህንዲ ኣርቱር ሮድ ኣብ ዝተብሃለ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝነበሩ 2600 እሱራት እቶም 77 ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም'ዮም። 26 ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ሰራሕተኛታት'ውን ተታሒዞም።

ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ መንግስቲ እሱራት ክፈትሕ ይሓቱ ኣለው። ገሊኦም ድማ ነቶም ዝተፈትሑ መግብን ዝዓርፍሉ ቦታን ብምድላው ክሕግዙ ይጽዕሩ።

እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እተን ኣብያተ ማእሰርቲ ክዕጸዋ ድልየት እንተሃወለዎ'ውን፡ ክሳብ ሕጂ ግን ካብ ቤት ማእሰርቲ ዘይወጽኡ ሰባት ኣለው።

ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣብያተ ማእሰርቲ ቀንዲ ማእከላት ምትሕልላፍ ኮቪድ-19 ኮይነን ይስትውዐላ።

ካብ ዝፍታሕ ሓደ ወርሒ ዝኾኖ ኣሪፍ ግን ክሳብ ሕጂ ናብ ገዝኡ ክምለስ ኣይክኣለን።

ኮሮና
ኮሮና