ኮቪድ-19፡ “ኮሮናቫይረስ ኣብ ወርሒ ታሕሳሰ 2019 ኣብ ኣውሮጳ ነይሩ’ዩ”

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ብኒሞንያ ተጠርጢሩ ሕክምና ዝተገበረሉ ውልቀ ሰብ ሕማሙ ኮሮናቫይረስ ምንባሩ ዶክተሩ ሓቢሩ።
በዚ ኸኣ ኮሮናቫይረስ ናብ ኣውሮጳ ኣትይሉ ተባሂሉ ዝተወሰደ ግዜ ጌጋ ምንባሩን ቅድሚ ሓደ ወርሒ እቲ ዝተበሃለ ግዜ ናብ ኣውሮጳ ከምዝኣተወ ክንርዳእ ንኽእል።
ዶክተር ይቨስ ኮሀን ካብቲ ሕሙም ኣቐዲሙ ተወሲዱ ዝነበረ ቅምሶ ዳግማይ ናብ ቤተ ፈተን ብምውሳድ ድሕሪ ምምርማር ሕማም 'ዓሚሉ' ኮቪድ-19 ምንባሩ ከምዘረጋገጸ'ዩ ዝሕብር።.
እቲ ሕሙም'ውን ነቲ ቫይረስ ኣበይ ሒዝዎ ክኸውን ከምዝኽእል ግምት ከምዘይብሉ ብምሕባር ካብ ፈረንሳ ወጻኢ ገይሹ ከምዘይፈልጥ'ውን ይገልጽ።
ኣብዚ ሕቶ ኣልዒሉ ዘሎ፥ እዚ ሰብ ካብ ፈረንሳ ገይሹ ዘይፈልጥ ክንሱ፡ ካብ መን እዩ ደኣ ሓሊፍዎ? እቲ ዘሕለፈሉ ሰብከ መዓስ'ዩ ናብ ፈረንሳ ኣትዩ? ዶ ዋላስ ፈረንሳ'ውን ከም ቻይና እቲ ቫየረስ ኣብ ውሽጣ እዩ ጀሚሩ ዝብል እዩ።
ወሃቢት ቃል ውድብ ጥዕና ዓለም ክሪስቲና ሊንድሜር ሃገራት ሕሉፍ ሰነዳተን ብምፍታሽ፥ ብዛዕባ እዚ ሕማም ዘሎ ኣፍልጦ ኣብ ምግፋሕ ዕዙዝ ተረአን ከበርክታ ተማሕጺና ኣላ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ካሊፎርንያ'ውን እቲ ብኮሮናቫይረስ ቀዳማይ ዘሞተ ተባሂሉ ዝነበረ ሰብ፡ ድሕሪ እቲ ዘተገበረ ዳግማይ መርመራ እቲ ቀዳማይ ብኮቪድ-19 ዝሞተ ሰብ ቅድሚ ሓደ ወርሒ እቲ ሰፊሩ ዝነበረ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ እዩ።
ብዛዕባ እዚ ፈረንሳዊ እንታይ ንፈልጥ?
ዶክተር ኮሀን ፡ ካብ ፓሪስ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከን ሆስፒታል ዝሰርሕ ተመራማሪ ኮይኑ እቲ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ምንባሩ ዝሕብር ዘሎ ዓሚሉ፡ ወዲ 43 ዓመይ ኮይኑ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ፓሪስ ቦቢግንይ ኣብ ዝብሃል ቦታ ከምዝነብር ይሕብር።
ዶክተር ኮሀን ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፥ እቲ ዓሚሉ ካብ 14 ክሳብ 22 ታሕሳስ 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ ተለኺፉ ከኽወነ ከምዝኽእል እዩ ዝሕበር።
እዚ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳሰ ዝተወስደ ቅምሶ ዳግም መርመራ ኮሮናቫይረስ ምስ ተገበረሉ በቲ ቫይረስ ምልካፉ ዝተረጋገጸ ኣሚሮች ሃመር ዝብሃል ፈረንሳዊ ኮይኑ፡ ኣብ 27 ታሕሳሰ ደረቕ ስዓል፡ረስንን ሕጽረት ምስትንፋሰን ስለዝተራኣዩ ናብ ሆስፒታል ምምጽኡ እዩ ተሓቢሩ።
እዞም ምልክታት እዚኣቶም ድሒሮም እቶም ቀንዲ ምልክታት ኮሮናቫይረስ ምዃኖም ስለዝተረጋገጸ እዩ እቲ ንመርመራ 'ኒሞንይያ' ተባሂሉ ተወሲዱ ዝነበረ ቅምሶ እቲ ሕሙም፡ መርመራ ኮሮናቫይረስ ተገይርሉ።
ድሕሪ ዝተገበረኩ መረምራ እውን ሕማሙ ኮሮናቫይረስ ምንባሩ ክረጋገጽ ክኢሉ።
እዚ ኣብ ፈረንሳ ተረጋጊጹ ዘሎ ኸኣ፡ ኣብ ከተማ ውሃን ኣብ ዝርከበ ቤተ ጽሕፈተ ውድብ ጥዕና ዓለም፥ ኣብታ ከተማ ምስ ኒሞንያ ዝመሳሰል ሕማም ብተደጋጋሚ ይረአ ከም ዘሎ ካብ ዝተሓበሮ መዓልቲ ኣርባዕተ መዓልቲ ቀዱሙ እዩ ዝኸውን ዘሎ።
ኣሚሮች ሃመር ብዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑን ኮይኑ፡ እቶም ክልተ ደቁ ምልክታት እቲ ሕማም ክርኣዮም እንከሎ ብዓልቲ ቤቱ ግን ዝኾነ ምልክታት እቲ ሕማም ከምዘይተራኣያ እዩ ዶክትረ ኮሀን ዝሕበር።
ኩሎም ኣባላት እታ ስድራ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ነጻ ምህላዎም'ውን እቲ ዶክተር ሓቢሩ።
ንምንታይ እዩ እዚ ዛዕባ ኣገዳሲ ኮይኑ?
ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝነበረ ኣረዳድኣ ኣብ ፈረንሳ እቶም ቀዳሞት ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ተባሂሎ ኣበ መዝገበ ዝሰፈሩ ክልተ ካብ ውሃን ዝመጽኡን ሓደ ኣባል ስድርኦምን ኣብ 24 ጥሪ 2020 ድሕሪ ዝተገበረሎም መረመራ በቲ ቫይረስ ምልካፎም ስለተረጋገጸ እቲ መዓለቲ ብእኡ እዩ ሰፊሩ ጸኒሑ።
እንተኾነ ኣብ ቅምሶ ኣሚሮች ሃመር ድሕሪ ዝተገብረ መረምራ እቲ ቫይረስ ቅድሚ ኣስታት ወርሒ እቲ ተባሂሉ ዘነብረ ኣብ ፈረንሳ ምንባሩ ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
