ኮሮናቫይረስ: ስጳኛውያን ድሕሪ ሸውዓተ ሳምንቲ ምቑሕ ዕጽዋ ዘሊቕሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መንእሰያት ስጳኛ ድሕሪ ናይ ሸውዓተ ሳምንታት ኣዋጅ ዕጽዋ፡ ብብሽክለታን ብእግሮምን ኣብ ጎዶና ክንቀሳቐሱ ተፈቂድዎም።
ስጳኛ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝኣወጀቶ ዕጽዋ፡ ካብቲ ሃገራት ኣውሮጳ ዝወሰደኦ ተመሳሳሊ ኣዋጃት እቲ ዝጸንከረ ምንባሩ እዩ ዝግለጽ።
እታ ሃገር ቅድሚ ሰሙን'ውን ህጻናት ካብ ገዝኦም ብዙሕ ከይርሓቁ ክጻወቱ ብምፍቓድ ነቲ ኣዋጅ በብቑሩብ ከተፍክሶ ጸኒሓ'ያ።
እዚ ሕጂ ተመሓይሹ ዘሎ ኣዋጅ፡ መንእሰያት ናይ ንግሆ ካብ ሰዓት ሽዱሽተ ክሳብ ሰዓት ዓሰርተ ከምኡ እውን ኣብ ናይ ምሸት ካብ ሰዓት ሸሞንተ ክሳብ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ: ኣብ ዘሎ ግዜ ክንቀሳቐሱን ካብ ገዝኦም ውጽእ ኢሎም ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ክገብሩን ዘፍቕድ'ዩ።
ሃገረ ስጳኛ ክሳብ 24 ሽሕን 824 ሞት ከተመዝግብ እንከላ፡ እቲ መጠነ ሞት ኣብዚ ሕጂ እዋን መዓልታዊ እናጎደለ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ሃገረ ጣልያን ዝበዝሐ ቁጽሪ ምውታት ክህልዉዋ እንከሎ ዓባይ ብሪጣንያን ስጳኛን ድማ ብቕደም ተኸተል ይስዕባኣ።
እዚ ኣዋጅ ዕጽዋ ምስ ዘለቐ፡ ኣብ ጎዶናታት ባርሲሎና ብእግርን ብብሽክለታን ዝንቀሳቐሱ ብብዝሒ ከምዝተራእዩ ሮይተርስ ኣብ ገጻቱ ኣስፊሩ።
ኣብ ማድሪድ'ውን ብተመሳሳሊ ሰባት ናብ ኣፍደገ ገዝኦም ወወጺኦም "ሕጉሳት ኢና፡ መወዳእትኡስ ነጻ ኮይንና" ይብሉ ምንባሮም ሱዛን ፔጆ ንሮይተርስ ሓቢራ።
ነባሪ ማድሪድ ጀሱስ ጉተረዝ ብወገኑ "ሰባት ኣካላውን ኣእምራኣውን ጥዕነኦም ንኽሕልዉ ስፖርት ወሳኒ ስለዝኾነ፡ እዚ ምፍቃዱ ጽቡቕ'ዩ" ኢሉ።
ስጳኛውያን ካብ 14 መጋቢት ጀሚሮም መግብን መድሃኒትን ንምግዛእ እንተዘይኮይኑ ካብ ገዛ ከይወጽኡ ተኸልኪሎም'ዮም ጸኒሖም።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
