ብምኽንያት ኣብ ትዊተር ዝጽሓፎ: ዋጋ 14 ቢልዮን ዶላር ብርኪ ዝኸሰረ ኢሎን መስክ

መስራቲ ተስላ ዝኾነ ኢሎን መስክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

መስራቲ ተስላ ዝኾነ ኢሎን መስክ፡ ብምኽንያት ኣብ ትዊተር ዝጸሓፎ፡ ካብ መሸጣ ብርኪ ትካሉ ክረኽቦ ዝኽእል ዝነበረ 14 ቢልዮን ዶላር ከሲሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ካብቲ ናቱ ብርኪ'ውን 3 ቢላዮን ዶላር ክኸስር ክኢሉ'ዩ።

እዚ ዝኾነሉ እቶም ካብ ትካሉ ብርኪ ገዚኦም ዝነበሩ ኣወፈርቲ፡ ኣብ ትዊተር ዝጸሓፎ መልእኽቲ ድሕሪ ምንባቦም ዝገዝእዎ ብርኪ ሒዞም ስለዝወጽኡ እዩ።

ኢሎን መስክ "ከምዚ ዝርእዮ ዘለኹ ዋጋ ሓደ ብርኪ ናይዚ ትካል ሰማይ'ዩ ደይቡ ዘሎ" ብምባል ንሱ'ውን ነቲ ኣብቲ ትካል ዘለዎ ብርኪ ኩሉ ከምዝሸጦ ማሕላ ኣሰንዩ እዩ ኣብ ትዊተሩ ደጋጊሙ ጽሒፉ።

መዘዝን ጠንቅን እዚ ኹሉ ክሳራ ኸኣ እዛ መልእክቲ እዚኣ እያ ነይራ።

እዚ ዘንበቡ ሰብ ብርኪ እቲ ትካል ኸኣ ብርኮም ሒዞም ካብቲ ትካል ወጺኦም።

ኢሎን መስክ ኣብ 2018 እውን ተስላ ብዛዕባ ኣብ ኒውዮርክ ዘለዎ ብርኪ ኣመልኪቱ ድሕሪ ምጽሓፉ ትካሉ ኣስታት 20 ሚልዮን ዶላር ተቀጺዑ ነይሩ እዩ።

ብድሕሪ እዚ ኢሎን መስክ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጽሑፍ ቅድሚ ምዝርግሑ ጠበቃታቱ ክርእይዎ ብቦርድ እቲ ትካል ተወሲኑ።

ተስላ ብኤሌትሪክ ዝሰርሓ መካይን ዘፍሪ ትካል ኮይኑ፡ እቲ ትካል ክሳብ 100 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ብርኪ'ዩ ዘለዎ።

ኢሎን መስክ ኸኣ ብርክታት ብምሻጥ ካብ መቕሽሽ ጥራይ ክሳብ 100 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ይረክብ።

ሓደ ካብቶም ኣብቲ ትካል ወነንቲ ብርኪ ዝኮነ ውልቀ ሰብ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ትዊተር ናይ ኢሎን መስክ: ሕማም ርእሲ ከምዝኾኖም" ገሊጹ።

ኢሎን መስክ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ነቲ ትካል ከካይደሉ ዝኽእል እኹል ገንዘብ ስለዘዋህለለ ንኹሎም ወነንቲ ብርኪ 'ጃላ' ከትርፎም ከም ዝኽእል ዝሕብር ጽሑፍ ኣብ ትዊተሩ ኣስፊሩ ነይሩ፡ ብሰንኪ እዚ ኸኣ ብዙሓት ወነንቲ ብርኪ ኣብ ልዕሊኡ ዘለዎም እምነት ክልሕልሕ ተራእዩ።

ኣብ ትዊተር 33.4 ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለውዎ ኢሎን መስክ፡ ብኮሮናቫይረስ ኣሳቢብካ ንሰብ ካብ ገዛ ከይወጽእ ምግዳድ ግቡእ ኣይኮነን ዝብል ጻሑፍ'ውን ኣብ ትዊተሩ ኣስፊሩ ነይሩ።

ኣብቲ ነዚ ኹሉ ክሳራ ዘቃልዖ ኣብ ትዊተት ዝጽሓፎ "ዝኾነ ዓይነት ንብረት ክህልወኒ ኣይደልይን'የ ዋላ ገዛይን ደቀቕቲ ንብረተይን'ውን ክሸጦ'የ" ዝብል'ውን ይርከቦ'ዩ።