እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣዋጅ ዕጽዋ ኣሳቢበን ዜጋታተን ንዛስቕያ ሃገራት ኣጠንቂቑ
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ መጠንቀቕታ ዝሃበ፡ ገለ ሃገራት ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተታሓዙ፡ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ይወስዳ ብምህላወን እዩ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ " እቲ ፀገም ምስቲ ቫይረስ'ምበር ምስ ሰባት ኣይኮነን" መንግስታት ነዚ ክርድኡ ይግባእ ኢሉ።
ሃገራት ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኡጋንዳን ሩዋንዳን፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ዝወፅኡ መምርሕታት ንምፍፃም፡ ኣካላት ፀጥታ ዘይግቡእ ስጉምቲ ካብ ሞንጎ ዝወስዱለን ሃገራት እየን።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሼል ባቼሌት፡ ሃገራት ዜጋታተን ንምስቓይ፡ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ከም ምኽንያት ክጥቀማሉ ኣይግባእን ኢላ።
መዓልታዊ እንጀርኦም ክደልዩ፡ ኣዋጅ እቶ እቶ ዝጠሓሱ ሰባት ምቕታል፣ ምእሳርን ምጥቃዕን፡ ተቐባልነት ዘይብሉን ዘይሕጋውን ተግባር ከምዝኾነ ገሊፃ።
ብሰንኪ እዚ ልዕሊ 17 ሽሕ ደቡብኣፍሪቃውያን ከምዝተኣሰሩድማ፡ ሚሼል ባቼሌት ሓቢራ።
ኣብ ኬንያ እውን፡ ኣብታ ሃገር ንዝተኣወጀ ኣዋጅ እቶ እቶ ዝጠሓሱ ሰባት ናብ መወሸቢ ማእኸላት ክኣትዉ ተገይሩ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ኣስታት 27 ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ መንግስቲ ካብዚ ተግባሩ ንክቑጠብ፡ ደብዳበ ፅሒፎም እዮም።
ዛጊድ፡ ኣብ ኣፍሪቃ 32,100 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ እንትኾኑ፡ 9,741 ሰባት ድማ ካብቲ ቫይረስ ሓውዮም እዮም።
ህይወት 1,428 ሰባት ድማ ብኮቪድ-19 ጠፊኡ እዩ።