ኮሮናቫይረስ፡ ኣሜሪካ ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 2,000 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ትማሊ ዓርቢ ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 2,000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምማቶም፡ እቲ ዝበዝሓ ቁጽሪ ሞት ዝተመዝገበላ መዓልቲ ኮይና'ላ።
ጸብጻባት ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከም ዝሕበርዎ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 2,108 ሰባት ሞይቶም። ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ዝተረጋገጸ ሰባት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን በጺሖም ኣለው።
ኣሜሪካ ኣብ ሓጺር ግዜ ነታ ብብዝሒ ግዳያት ኮሮናቫይረስ ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ኮይና ዝጸንሓት ሃገረ ጥልያን ክትቕድማ ከምእትኽእል ይግመት።
ክኢላታት ሓይሊ ዕመም ኮቪድ-19 ዋይት ሃውስ ግና እቲ ለበዳ ኣብ ኣሜሪካ ይጎድል ምህላው ይዛረቡ።
ዶክተር ዲቦራ ብሪክስ እቲ ለበዳ ይረጋጋእ ምህላው ዘንጸባርቕ ጽቡቕ ምልክታት ከም ዝተርኣየ እኳ እንተሓበረት፤ "ናብቲ ዝለዓለ ጥርዚ ግና ጌና ኣይበጻሕናን" ኢላ።
ፕረዚደንተ ዶናልድ ትራምፕ'ውን ኣሜሪካ ካብቲ ኣብ ፈለማ ዝተገመተ ዝተሓተ ሞት ከም ዝህልዋ ትጽቢቱ ገሊጹ'ዩ።
"እቲ ዝወሰድናዮ ጽኑዕ ስጉምትታት ህይወት ብዙሓት የድሕን ምህላው ንጹር ምልክታት ንርእይ ኣሎና" ኢሉ።
ኣብ መላእ ኣሜሪካ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዘለዉ ሰባት'ውን 500,399 በጺሑ ከም ዘሎን፡ ልዕሊ 18,693 ሰባት ከምዝመቱን ይግለጽ። ፍርቂ ካብቶም ግዳያት ካብ ከተማ ኒው ዮርኮ እዮም።
ኣሜሪካ ዓርቢ ዝበዝሐ ምውታት ከም ተመዝግብን ካብኡ ንደሓር እናጎደለ ከም ዝኸይድን ተመራመርቲ ገሚቶም ነይሮም።
ብመሰረት ግምቶም ግምቦት 1 ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝሞቱ ሰባት ናብ 970 ክወርድ እዩ። ምምሕዳር ትራምፕ'ውን ሽዑ ነቲ ደስኪሉ ዘሎ ቁጠባ እታ ሃገር ክከፍቶ ምዃኑ ይገልጽ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ቀልጢፉ ክኽፈት እየ ዝደልይ፤ ኣብ ህይወተይ ዝወሰንክዎ ዝዓበየ ውሳነ ከም ዝኸውን ኣይጠራጠርን" ኢሉ።
ወሲኹ'ውን "እንተኾነ ግን መንግስቲ እታ ሃገር ደሓን ከም ዘላ ከየረጋገጸ ዝኾነ ዝውሰድ ስጉምቲ የሎን። ንድሕሪት ተመሊስና ንኹሉ ክንደግም ኣይንደልይን ኢና" ኢሉ።
ኻልእ ምዕባለታት
- ነቲ ናይ ዕጽዋ ስጉምትታት ተቐዳዲምካ ምልዓል እቲ ሕማም ዳግማይ ክስዕርር ክገብር ከም ዝኽእል ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣጠንቂቑ።
- ካብ ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ብራዚል ፈላሚት ልዕሊ 1,000 በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ዝተርኣይዋ ሃገር ኮይና።
- ቱርኪ ኣብ ኢስታንቡልን ኣንካራ ዝርከብወን 31 ከተማታት፡ ን48 ሰዓታት ዝጸንሕ ሰዓት እቶእቶ ኣዊጃ። እቲ ቅድሚቲ ተግባራዊ ዝኾነሉ ቅድሚ ክለተ ሰዓት ዝተኣወጀ እገዳ ካብ ፍርቂ ለይቲ ዝጅምር ኮይኑ፡ ብዙሓት ናብ ድኳናት ክውሕዙ ገይሩ ኣሎ።
- ኣብታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ የመን ሓደ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ድሕሪ ምርካቡ፡ ትካላት ረድኤት ስግኣተን ይገልጻ ኣለዋ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
