ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብምስጋእ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣሜሪካ እሱራት ይፈትሓ ኣለዋ

ኣብያተ ማእሰርቲ ኣሜሪካ እሱራት ይፈትሓ ኣለዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብያተ ማእሰርቲ ኣሜሪካ እሱራት ይፈትሓ ኣለዋ
Published

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮሮናቫይረስ ስለ ዝተረኸበ፡ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣሜሪካ እሱራት ክፈትሓ ወሲነን።

ከተማታት ሎስ ኣንጅለስን ክሊቭላንድን፡ ብኣማኢት ዝቁጸሩ እሱራት ፈቲሐን ኣለዋ።

ከተማ ኒውዮርክ ድማ ፡ "ተቓላዕቲ" ዝበለቶም እሱራት ከም እትፈትሕ ከንቲባ እታ ከተማ ገሊጹ።

ከንቲባ ቢል ዲ-ባልሶ ከም ዝበሎ፡ ኣብዚ ሰሙን ዝርዝር ዝፍትሑ ሰባት ወግዓዊ ክኸውን'ዩ።

ኣብዚ መስርሕ ምፍታሕ እሱራት ዝተኻተቱ ድማ ብቀሊል ገበን ዝተኣሰሩን ዚያዳ ተቓላዕቲ ዝኾኑን እሱራት እዮም ኢሉ።

ኣብ ሪከርስ ዝተብሃለት ደሴት ኣብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ፡ ሓደ ዋርድያን እሱርን ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ምስ ተነግረ፡ እቲ ከንቲባ ነዚ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝተገደደ ይግለጽ።

ወዲ 68 ዓመት ፕሮዲዩሰር ሆሊውድ ነበር ሃርቪይ ዋይንስታይም ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኮይኑ፡ ንሱ'ውን ናብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ ክዛወር'ዩ ተባሂሉ።

ኣብ ሎስ ኣንጅለስ ድማ፡ ቁጽሪ እሱራት ብ600 ጎዲሉ። ሎስ ኣንጅለስ ኣብ ዓለም ብዙሓት እሱራት ዘለዋ ኮይና፡ ከባቢ 22 ሽሕ እሱራት ኣለውዋ።

ብዙሓት'ውን፤ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለው እሱራት ብቀሊሉ በቲ ቫይረስ ናይ ምትሓዝን ምትሕልላፍን ዕድሎም ዝዓበየ ምዃኑ ይግልጽ።

ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣስታት 2.3 ሚልዮን ዝጽግዑ እሱራት ከምዘለው ጸብጻባት መንግስቲ ኣሜሪካ ይሕብሩ።

ኣብ ኣሜሪካ፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 9400 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም፤ ልዕሊ 152 ሰባት ድማ ሞይቶም ኣለው።

ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ግዳያት 220 ሽሕ ክበጽሕ እንከሎ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ድማ ሞይቶም ኣለው።

መግለጺ ቪድዮ, ከዋኽብቲ ዓለም ኮሮና ቫይረስ ብኸመይ ይከላኸሉ'ለዉ?